ፕረ. ባይደን ንምቁጽጻር ብረትን ምስኡ ዝተሓሓዝ ዛዕባታት ዝምልከት ንድፊ ሕጊ ብቕልጡፍ ክሓልፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ፕረዚደንት ጆ ባይደን: ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ንምቁጽጻር ብረት: ሓለዋ ኣብ ቤ/ትምህርቲ: ንምሕያል ኣገልግሎት ጥዕና ኣእምሮ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምልጋስ ዘኽእል ንድፊ ሕጊ ብቅልጡፍ ንከሕልፍዎ ጸዊዖም።

ጻውዒት እቶም ፕረዚደንት ዝቀረበ፣ ድሕሪ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዘጋጠመን፣ ንብርክት ዝበሉ ኣመሪካዊያን፣ መብዛሕትኦም ህጻናትን መናእሰያትን፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተዓደጉ ብረታት ድሕሪ ምቅታሎም እዩ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ኬሪን ያን ፕየሪ "ተበግሶ ፕረዚደንት፣ ነቶም 19 ቆልዑ ዝሳኣኑ ወለዲ ከተማ ኡቫልድ ቴክሳስ ዝኣተውዎ ቃል ዘተግብር እዩ" ከምዝበለት ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።