ፕረ.ባይደን ህቦብላዊ ዝናብ ንዘጋጠማ ክፍለ ግዝኣት ከንታኪ ክበጽሑ'ዮም

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጽባሕ ረቡዕ ነታ ብሰንኪ ብርቱዕ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ ብዉሑዱ 64 ሰባት ዝሞቱላን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበልሉን ክፍለ ግዝኣት ከንታኪ ብምብጻሕ ንዝወረደ ጉድኣት ክዕዘቡ ዮም።

ባይደን ድሮ ኣብታ ክፍለ-ግዝኣት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጆም ኣብ ኢሎነስ ከጋጥም ንዝኽእል ተመሳሳሊ ህቦብላ ንምክልኻል ተዳልዮም ከም ዘለዉ ገሊጾም'ለዉ።

ፕረዚደንት ባይደን "ካብቲ ብፊደራል መንግስቲ ዝግበር ንላዕሊ ክንከይድ ኣለና። ን ኣብነት ፊማ ንእዋን ሓደጋ ዝሰርሕ ኣካል ዩ ሓገዝ ንምሃብ ተቀሩቡ ሎ። ኹሉ ዝከ ኣለና ክንገብር ኢና ኢሎም ለዉ