ፕረ. ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ካብ መዝነት ምውራዶም ንመጀመርያ ጊዜ ተራእዮም

Your browser doesn’t support HTML5

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ መዝነት ድሕሪ ምውራዶም ትማሊ ሰንበት ንመጀመርያ ጊዜ ናብ ቤት ጽሕፈት ዓቓቢ ሕጊ ክኸዱ ተራእዮም። ፕረዚደንት ኣልበሽር ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት መሪሕነት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ።