ፕረ.ራማፎዛ መራሒ ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኾይኖም ዳግማይ ተመሪጾም

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ መራሒ ኤይ.ኤን.ሲ ኮይኑ ንኻልኣይ ግዜ ተመሪጹ።

ራማፎዛ ሽሕ`ኳ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብክስታት ብልሽውና ምስሉ ክድወን እንተጸንሐ፡ እቲ ሃብታምን ህንጡይን ተባሂሉ ዝግለጽ ራማፎዛ ንሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ(ኤይ.ኤን. ሲ) ንክመርሕ ንኻልኣይ ግዜ ተመሪጹ`ሎ።

ነዚ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኤይ.ኤን.ሲ ምምራሕ ማለት ድማ ንራማፎዛ ንኻልኣይ ግዜ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ናይ ምምራጽ ባይታ ዘንጽፈሉ ምዃኑ ብንጹር ይርአ`ሎ።

እዚ ወዲ 70 ዓመት ተቓላሳይ ጸረ- ዓሌታዊ ኣፈላላይ(ኣፓርታይድ) ኣብ 2018`ዩ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ። ሽዕኡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሓዲሽ ምዕራፍ ከሰጋግራ`የ ዝብል መብጻዓ ብምእታው`ዩ ስልጣኑ ፈሊሙ።

ሽሕ`ኳ ኣብ ቃልሲ ጸረ-ብልሽውና ኣድማዒ ውጽኢት እንተርኣየን፡ ክሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ ስልጣን ክእለዩ እንተገበረን፡ ንባዕሉ`ውን ብ ክሲ ብብልሽውና ካብ ምውራድ ስልጣን ንስክላ`ዩ ኣምሊጡ።

መቓልስቲ ነልሰን ማንዴላ ዝኾነ ስሪል ራማፎዛ፡ ኣብቲ መጀመርያ ናብ ላዕላዋይ ጽፍሒ ፖለቲካ ክኣቱ ስለዘይክኣለ ናብ ንግዲ ድሕሪ ምዝንባሉ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ዝሃብተሙ ሰባት ሓደ ክኸውን ዝበቐዐ ሰብ`ዩ። ከም ኮካኮላን ማክዳኖልስን ኣብ ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት`ውን ወሳኒ ብርኪ ክሳብ ምሓዝ ዝበጽሐ`ዩ። ፍልይ ዝብሉ እንስሳታት ከም ቡፋሎን ካልኦት ዓይነት ከብትን ኣብ ምፍራይ`ውን ተዋፊሩ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ንግዲ ከምዝውንን`ዩ ዝግለጽ: ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ራማፎዛ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ'ውን'ዩ።