ፓርላማ ኢትዮጵያ ንምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣጽዲቑ

  • በትረ ስልጣን

ዋና ከተማ ኢትዮጵያ- ኣዲስ ኣበባ

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ሓይልታት ትግራይ ናብ ጥቃ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምቅራቦም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ብምባል ዘሕለፎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፣ ንክላዓል ወሲኑ።

ኣባላት ፓርላማ ሎሚ ነቲ ኣዋጅ ዘልዐለሉ ምኽንያት ኩነተ ጸጥታ ተማሓይሹ እዩ፣ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንምስሊ’ታ ሃገር ብደረጃ ዓለም ደዊንዎ እዩ ካብ ዝብል ተበጊሶም ከምዝኾነ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ገለ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ፣ ተቃውሞ ከምዘስምዑን፣ ሓይልታት ትግራይ ሎሚ’ውን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ዓፋር ይዋግኡ ኣለው፣ ኣብ ልዕሊ ክልል ኣምሓራ መጥቃዕቲ ንምፍናው’ውን ይዳለው ኣለው ኢሎም ከምዝኸሰሱ ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

ተወካሊ መንግስቲ ግና፣ ዝኾነ ስግኣት ብምኽባር ሕጊ ምቁጽጻር ይክኣል እዩ ክብል ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝወሰነ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣስታት 200 ኪ.ሜ ርሕቀት ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን እዩ ነይሩ። ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ህወሓት ግና፣ ሰራዊት ዝተመለሰ፣ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ካብ ዝብል ተበጊሱ እዩ ምባሉ ይዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግዲኡ፣ ተደፊኦም እዮም ይብል።

ተሓለቕቲ መሰላት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣዋጅ ተጠቂሙ፣ መብዛሕተኦም ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ሰላማዊያን ሰባት፣ ብሕልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኣስር ኣሎ ክብሉ ይኸሱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምልዓል እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምምጓሱ፡ እቲ ተበግሶ ንመገዲ ሰላም ዝመርሕ’ዩ ክብል ጠቒሱዎ።

እቲ ብስም ወሃብ-ቃል እቲ ሚንስትሪ ነድ ፕራይስ ኣቢሉ ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ወሲኹ፡ ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተተሓሒዞም ብዘይ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ብህጹጽ ክፍትሑ ጸዊዑ። ምስ ምፍታሕ እሱራት ስዒቡ ድማ ሃገራዊ ልዝብ ክስዕብ ዘለዎ እምነት ጠቒሱ። መግለጺ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣመሪካ ምስ ኵላቶም ኣካላት ንነባሪ ፍታሕን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ከም ዝሰርሕ ድሕሪ ምምልካት፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ንፈጸምቲ በደል ኣብ ዝግበኦም ፍርዲ ምሃብ ዘይሻራዊ ምጽራይ ክግበር ጸዊዑ።