ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዳግማይ ዝተወልዓ ዂናት ደው ዝብለሉ ጻዕርታት ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

Your browser doesn’t support HTML5

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዳግማይ ዝተወልዓ ዂናት ደው ዝብለሉ ጻዕርታት ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነቲ ዝተሓደሰ ኹናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ንምባል ጻዕሪ ንምግባር ሎሚ ሰሉስ ኢትዮጵያ ምእታዎም ተገሊጹ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃናን ስራ ተተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስቶም ልኡኽ ኣመሪካ ዝተራኸባ ክኾና ኸለዋ ግን ውጥን ሓባራዊ ተልእኾ የብሎም ክብሉ ሓደ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።

ብዛዕባ ዑደት ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዛጊት ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ብሄረሰብ ዋግ ህምራ ወረዳ ሰቆጣ ፍሉይ ሽሙ ወለህ ማርያም ኣብ ዝተባህለ ቀበሌ ካብ ህወሓት ዝተተኮሰ እዩ ዝተባህለ ከቢድ ብረት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ 10 ሰላማውያን ሰባት ተቀቲሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ስድራ ግዳያትን ተዛሪቦም።

ብዛዕባ እዚ ሞት ሰላማውያን ሰባት ህወሓት ርእይቶ ኣይሃበን እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ከምዚ ዝበሉ ክስታት ኣብ ዝቀርበሉ እዋን ህወሓት ንሰላማውያን ሰባት ዕላማ አይገብርን እዩ ዝብል ምላሽ ከምዝሃበ ይዝከር።