ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዳግማይ ዝተወልዓ ዂናት ደው ዝብለሉ ጻዕርታት ንምክያድ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

Your browser doesn’t support HTML5

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ነቲ ዝተሓደሰ ኹናት ሰሜን ኢትዮጵያ ጠጠው ንምባል ጻዕሪ ንምግባር ሎሚ ሰሉስ ኢትዮጵያ ምእታዎም ተገሊጹ። ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃናን ስራ ተተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስቶም ልኡኽ ኣመሪካ ዝተራኸባ ክኾና ኸለዋ ግን ውጥን ሓባራዊ ተልእኾ የብሎም ክብሉ ሓደ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም። ብዛዕባ ዑደት ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዛጊት ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።