ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምብጻሕ አካይዳ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን ኣብ ክልል ኣምሓራ

ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን ሎሚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብምብጻሕ ኣብ ባህር ዳር ንዝርከብ ጻዕርታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተዓዚባ።

ብመሰረት ሓበረታ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ምስ ተረባሕቲ ብኣመሪካ ዝምወል ፕሮግራማት ተራኺባ ተዘራሪባ። ንሳ ብተወሳኺ ምስ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ ዝተራኽበት ክትከውን ከላ ኣብ ኣባ መንገሻ ዝብሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ህዝባዊ ቤት መጻሕፍቲ`ውን እምነ ኩርናዕ ኣመሪካ ብምንባር ከፊታ።

እታ ፈጻሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት`ቲ ክልል ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን፡ ኣመሪካ ንኢትዮጵያውያን ትገብሮ ሓገዝ ከምዝቕጽል ብምስማር፡ ግጭታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍትሑ፡ ንኹሉ ዝባጻሕ መስመራት ረድኤት ክኽፈት፡ ከምኡ ሰብኣዊ ግፍዕታት ዝፈጸሙ ተሓተቲ ክኾኑ ዝብል ጻውዒት መንግስታ`ውን ኣዘኻኺራ።

ኣመሪካ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣስታት 900 ሚልየን ዶላር ዝግመት ሰብኣዊ ረድኤት ንኢትዮጵያ ከምዝሃበት ይጥቀስ።