ፈደራል ኮሚሽን ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ገዛውቲ ብገበን ክሕደት ሃገር ዝተጠርጠሩ ወታሃደራዊ መኮንናትን ኣጽዋራት ምርኻቡ ሓቢሩ

ፈደራል ኮሚሽን ፖሊስ ኢትዮጵያ ብገበን ክሕደት ሃገር ዝተጠርጠሩ ጀነራላትን ወታሃደራዊ መኮንናትን ገዝኦም ምስ ተፈተሸ ዝተረኽበ ኣጽዋራት ኣብ ኢዶም ክጸንሕ ዘይነበረሮ `ዩ ኢሉ ።

እቶም ጀነራላት ምስ ህወሓት ብምምስጣር ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከምዝፍጸም ጌርኩም ተባሂሎም`ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ’ላ ።

ብዝተሓሓዘ ዜና ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኮንሶን ከባቢኡን ተፈጢሩ ብዝነበረ ግጭት በቐጥታን ብተዘዋዋርን ኢድ ኣለዎም ዝተባህሉ 137 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን'ቲ ኽልል ኣፍሊጡ።

ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ኣቶ ኣለማየሁ ባውዲ ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፥ በቲ ግጭት 66 ሰባት ዝተቐተሉ ክኾኑ ኸለዉ፥ ካልኦት 39 ሰባት'ውን ቆሲሎም'ዮም። ከምኡ'ውን ዓቐኑ ዘይተፈልጠ ንብረት ዓንዩ ልዕሊ 133 ሺሕ ሰባት ተፈናቒሎም ምባሉ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ሃዋሳ ሓቢሩ።