ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ደደቢት ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣካይዱ ክብል ክልል ትግራይ ይኸስስ

Your browser doesn’t support HTML5

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ደደቢት ደብዳብ ከቢድ ብረት አካይዱ ክብል ክልል ትግራይ ይከስስ

'ወታሃደራዊ ኮማንድ ፖስት ትግራይ' ብምባል ካብ መቐለ ዝወጸ መግለጺ ትማሊ ረቡዕ ብወገን ደደቢት ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ደብዳብ ከቢድ ብረት ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ከም ዝተኻየደ ይሕብር። ነቲ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ መብርሂ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃበ ኣባል ኣመራርሓ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረህይወት'ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ጸሓፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ነቲ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ ጋዜጣዊ መግለጺ “እቲ ተግባር ብወገን ትግራይ ኣንጻር ንሰላም ዘይምቕባል ዝግበር ዘሎ ምስምስ’ዩ” ክብላ ገሊጸንኦ።