ፈረንሳዊት ደራሲት ኣኒ ኤርናውክስ ብስነ-ጽሑፍ ናይዚ ዓመት ተሸላሚት ኖቤል ኮይና

  • ዜና ቪኦኤ

ፈረንሳዊት ደራሲት ኣኒ ኤርናውክስ ብስነ-ጽሑፍ ናይዚ ዓመት ተሸላሚት ኖቤል ኮይና። ኮሚቴ ኖቤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርናውክስ ንሽልማት ዝተመርጸት ኣብ ክሊንካዊ ውልቃዊ ተዘክሮ ነቲ መሰረት ኣብ ምልላይ ብዘርኣየቶ ትብዓት`ዩ ኢሉ`ሎ።

በዚ ድማ 900 ሺሕ ዶላር ተሸሊማ`ላ።ብመዳይ መድሃኒት ፊዝክስን ኬሚስትርን ዝተዓወቱ ኣቐዲሞም ኣብዚ ሰሙን`ዚ ተሸሊሞም`ዮም። እቲ ሽልማት ኖቤል ጽባሕ ዓርቢ ክንገር`ዩ። ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ዝተዓወቱ ድማ ሰኑይ ክግለጽ`ዩ።