ፈልቂ ኦሚክሮን ብፍሉይ ኣሻቓሊ ድዩ? [“ኣዝዩ”]፣ መፍትሒ? [“ክታበት”]

Your browser doesn’t support HTML5

ፈልቂ ኦሚክሮን ብፍሉይ ኣሻቓሊ ድዩ፧ [“ኣዝዩ”]፣ መፍትሒ፧ [“ክታበት”]

ዋላ’ኳ ምስ ምብጻሕ ክታበት፡ መጠን ሞትን ሕማማት ኮቪድ-19 ብዓለም ደረጃ ይጐድል ይሃሉ፡ በብእዋኑ ዝቕልቀሉ ዘለዉ ፈልቅታት ግን ነቲ ዝጸንሐ ገስጋስ ዘዛሕትሉ ኢዮም።

ፈለማ ብተመራመርቲ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝተለለየ ኦሚክሮን ዝተባህለ ፈልቂ ካብቲ ሓድሽ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ’ዩ። ንምዃኑ ፍሉይነት እዚ ሓድሽ ቫይረስኮሮና እንታይ’ዩ? ዝያዳ ካልእ እዋን ከሻቕለና’ኸ ዝግባእ ዲዩ? ነዚን ካልእ ንምብራህ ንዶክተር ዮሃንስ ሃይለ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።

ዶክተር ዮሃንስ ሃይለ ተመራማሪን ተቖጻጻሪን መድሃኒታት ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ካናዳ ኰይኑ፡ ኣቕዲሙ’ውን ተመራማሪን መምህርን ኰይኑ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣልበርታን ዩኒቨርስቲ ኪንግስን ሰሪሑ’ዩ። ዶክተር ዮሃንስ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርስቲ ካርልተን ኣጃንክት ፕሮፈሰር’ዩ።