ፈላመይቲ እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ካብ ወደብ ዩክሬን ምብጋሳ ተሓቢሩ

  • ገብረ ገብረመድህን
    ዜና ቪኦኤ

ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ኣብ ወርሒ የካቲት ካብ ዝጅምር ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ወደብ ኦዴሳ ዩክሬን እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ምብጋሳ ተገሊጹ።

እታ ባንዴራ ሰራልዮን እተንበልብል ናይ ፅዕነት መርከብ ንመጀመሪያ ግዜ ዕፉን ፅዒና ናብ ሊባኖስ ከምዘምርሐት ተፈሊጡ።

ሚንስትሪ ምክልኻል ቱርኪ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ብወግዒ ዘይተገልፃ መራኽብ ካብ ዩክሬን ክብገሳ እየን ኢሉ።

ሩሲያ ንዩክሬን ብምውራራ ዝበኣሰ ክብል ሕቡራት ሃገራት ዝገለፆ ዓለምለኸ ቅልውላው መግቢ ኣብ ዘለሉ ሕጂ እዋን ብሽምግልና ቱርክን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ መወዳእታ ሓምለ እኽሊ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ ኣሎ።

እቲ ስምምዕ እኽሊ ዝፀዓና መራኽብ ኣብ ደቡብ ዩክሬን ካብ ዝርከቡ ወደባት እቲ ወራር ካብ ዝጅመር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሩሲያ ብዝርከብ ማያት ጸሊም ባሕሪ ኣቢለን ክሓልፍ ይፅውዕ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሚንስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ሎሚ ሰኑይ ከምዝሓበሮ ድማ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ከባቢ ሰሜን ምብራቕ ዶነስክ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ዘካየድዎ ስልታዊ መጥቓዕትታት ብዙሕ ንቕድሚት ክግስግሱ ከምዘይክኣሉ ኣፍሊጡ።