መቐለ —
'ፆመ ትግራይ' ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ናይ ፆምን ፀሎትን መርሃግብሪ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየድ ኣሎ::
በዚ መሰረት ድማ ትካላት ንግድን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ብዙሓት ከተማታት የለን ዘይምህላው ተሓቢሩ'ሎ::
ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከተማታት "ኣብ ልዕሊ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ መከራ ጠጠው ክብልን ሰላም ንክሰፍንን ኢና ንፀውም ዘለና" ኢሎም::
ኣብ ጉዳይ ምዕፃው ትካላትን ምቁራፅ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ኣመልኪቱ ርእይቶ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን::
Your browser doesn’t support HTML5
'ጾመ ትግራይ' ዝብል መርሃግብሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ