ጸብጻብ ዑደት ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመዱ ቡሓሪ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ቐዳመይቲ ትስራዕን ቀንዲ መሻርኽቲ ኣሜሪካ ዝኾነትን ናይጀርያ ትማሊ ሓሙስ ኣትዮም።

እቶም ሚኒስትር ናይ ሓሙሽተ መዓልታት መገሻ ኣብ ኣፍሪቃ የካይዱ ዘለው፣ ቅልውላው ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን እዩ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ንፈለማ መገሻ ኣብ ኣፍሪቃ ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ኬንያ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን፣ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ንዕልዋ መንግስቲ ንምቅዋም ኣብ ካርቱምን ኡምዱርማንን ሰልፊ ዝወጹ ብምትኳስ 15 ሰባት ቀቲሎም። ሰራዊት ሱዳን ዕልዋ ካብ ዝፈጸመላ 25 ጥቅምቲ ንደሓር ዝተኻየደ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ ኣቡጃ ናይጀርያ ዝኣተው ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኖምዎ ኣለው። "ሰራዊት ሱዳን፣ ንናይ ህዝቢ መሰል ምእካብን ሓሳቦም ምግላጽን ከኽብር ኣለዎ" ኢሎም።

ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ዝስዕቦ ኣንፈት: ለበዳ ኮቪድ 19ን ኣመሪካ ዝሃበቶ ግበረ መልሲን፣ክኸውን ዝግበኦ ተራ ኢጋድ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ቁጠባዊ ማሕበር ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃን ምዕራብ ኣፍሪቃን’ውን ጠቂሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ጸብጻብ ዑደት ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያ