ጸብጻብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022

  • በትረ ስልጣን

ናብ 16 ጋንታታት ዝሳተፋሉ ግጥማ ት ኣውዲቅካ ምሕላፍ ዝበቅዓን ክበቅዓ ዝኽእላን ጋንታታት፣ ካብ ምድብ ሓደ ካሜሩን (ምሕላፋ ዘረጋገጸት) ምስ ቡርኪናፋሶ ወይ ኬፕ ቨርዴ፣ ካብ ምድብ ክልተ ጊኒን ሴነጋልን ወይ ማላዊ፣ ካብ ምድብ ሰለስተ ሞሮኮ (ምሕላፋ ዘረጋገጸት) ምስ ጋና፣ ናይጀርያ (ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ኣላ) ምስ ግብጺ፣ ካብ ምድብ ሓሙሽተ ኣይቮሪኮስትን ኢኳቶርያል ጊኒ ወይ ሴራልዮን፣ ካብ ምድብ ሽዱሽተ ጋምቢያ፣ ማሊን ወይ ቱኒዝያን።

ሳልሳይን ወሳኒን ግጥማት ሎሚን ጽባሕን ይሳለጥ ስለዘሎ ከካብ ምድቡ ዝሓለፋ ከክልተ ጋንታታት ጽባሕ ሰሉስ ብንጹር ክፍለጣ እየን።

ጋንታ ዋልያ (ኢትዮጵያ) ሎሚ ምስ ጋንታ ቡርኪናፋሶ ሳልሳይን መወዳእታን ግጥማ ነይሩዋ። ሓደ ንሓደ ተፈላልያ። እዛ ጋንታ ካብ ናይ ሎም ዘበን ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዜሮ ነጥቢ ካብ ምውጻእ ዘድሐነታ ነጥቢ ሒዛ ንዓዳ ክትምለስ እያ። ጋንታ ዋልያ ምውዳቃ ዛጊት ዘረጋገጸት ጋንታ ምኳና ዝዝከር እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተካየደ ግጥም፣ ካሜሩንን ኬፕቨርደን’ውን ማዕረ ሓደ ን ሓደ ተፈላልየን። ኣልጀርያ ግና ዘይሓሰበቶ ስዕረት ተጎልቢባ። ብኢኳቶርያል ጊኒ 1 ን 0 ተሳዒራ።