ዋሽንግተን —
ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ተፈፂሙ ዝብሃል ፆታዊ መግሃስቲ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወፀ ፀብፃብ ብቀጥታ ናይ መሰኻኽር ቃል ዝሓዘ ዘሰንብድ መልክዕ ኵናት ክልል ትግራይ እዩ ክብሉ ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ላዕለዋይ ኣባል ኮሚቴ ርክባት ወፃኢ ዝኾኑ ሰኔተር ጂም ሪሸ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም።
እቲ ናይ ትዊተር መልእኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ፀብፃብን ኣብ ክልል ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ንዝወፁ ፀብፃባት ሰብኣዊ መግሃስትን ዝሃቦ ናይ መጀመሪያ ግብረ መልሲ ዝሕብሮ መንግስቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዘለው ብርክት ዝበሉ ግጭታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ፀማም እዝኒ ይህቦ ከምዘሎ እዩ ይብል ።
ንሶም ኣብ መልእኽቶም ክሕደት፣ምዝባዕ ንተኣማንነት ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ምጥቃዕን ናይቲ መንግስቲ ተኣማንነት ዝሽርሽርን ኣብ ኢድ ኣብቲ ኵናት ይሳተፉ ዘለው ተዋሳእቲ ዒላማ ኮይነን ዘሰቅቕ መከራ ይወርደን ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ሸለልትነት ዝገልፅን እዩ ኢሎም።