ጸረ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝዓለመ ፖሊስን ሕግን ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ይረአ ምህላው ፍሪደም ሃውስ ገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

መንግስታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሃገራት ኣፍሪቃ ምንቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ወይ ስቪል ማሕበረሰባትን ዝድርት ሕጊ ወይ ፖሊስ ይትግብሩ ከምዘለው ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ትካል ዘውፅኦ ሓድሽ ፀብፃብ ሓቢሩ።

ኣብ ዋሽንግተን ዝመደብሩ ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ትካል ትማሊ ሶሉስ ናይ ዘውፅኦ ፀብፃብ ፀሓፊ ጋድፍረይ ሙሲላ ንምቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዕንቅፋት ምፍጣር ትካላት ስቪል ማሕበረሰብን ዜጋታትን ክውደቡን መንግስታት ንሰብኣዊ መሰላት ሓለዋ ኣብ ምግባርን ኣሉታዊ ፅልዋ ኣለዎም ይብሉ።

"ናፃነት ኣብ ትሕቲ ስግኣት፡ምስፍሕፋሕ ፀረ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ኣፍሪቃ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ምሕደራን ዝሰርሑ ዘይመንግስታዊ ትካላት ምንቅስቓሶም ንምድራት ዝተገብሩ ስርሓት ፈቲሹ’ሎ።

ኣብ ኣልጀሪያ፣ብሩንዲ፤ግብፂ፣ኢትዮጵያ፣ሩዋንዳ፣ሲየራ ሊዮን፣ደቡብ ሱዳን፣ሱዳን፣ታንዛኒያ፣ኡጋንዳን ዛምቢያን ናይ ወፃኢ ሰራሕተኛታትን ፋይናንሳዊ ረድኤትን ዝድርት ዝተሓላለኸ ናይ ምዝገባ ኣሰራርሓ ምትእትታው እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኢትዮጵያ ካብ ለካቲት ጀሚሩ እቲ ደረት ኣመሓይሻቶ ኣላ።ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ስጉምትታት ፀረ ዘይመንግስታዊ ትካላት ገና መዕለቢ ኣይረኸበን።ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ማለት እውን ኣንጎላ፣ኮንጎ ብራዛቪል፣ኬንያ፣ማላዊ፣ናይጀሪያን ዚምባቤን ድማ ብፈፃሚ ኣካል ዝወፀ ሕጊ ብቤት ፍርዲ ተነፂጉ ወይ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ’ሎ።

ሪፖርት ፍሪደም ሃውስ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

ኢትዮጵያ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ተሓለቕቲ መሰላት ደረት ኣንቢራ እንተነበረት፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሚያዚያ 2018 ኣናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ግን እቲ ደረት ፍኹስ ኢሉ እዩ።ናይታ ሃገር ረቂቕ ኣዋጅ ስቪል ማሕበረሰብ ርእይቶታት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ህዝብን ሒዙ ኣብ ለካቲት ወፂኡ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር USAID ለስሊ ሪድ ብስቪል ማሕበረሰባት ተቐባልነት ንዝረኸበ ፖለቲካዊ መግለፅታት ኣፅቢቕና ንድግፎ ኢና ኢለን።

ነዚ ፀብፃብ ዝፀሓፉ ሙሲላ ጉጅለታት ስቪል ማሕበረሰብ ንእገዳ ብሕጊ ክገጥሙዎን መንግስታት ድማ ንናይ ምእካብን ሓሳባት ብነፃነት ምግላፅን መሰላት ከኽብሩን ምዒዶም ኣለው።

ኣሜሪካ፣ሕብረት ኣውሮጳን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ሓገዝ ክህቡ ከለው ብዛዕባ እዞም እገዳታት እናልዓሉ ፀቕጦም ከሐይሉ ፍሪደም ሃውስ የተባብዕ ክብሉ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ጸረ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝዓለመ ፖሊስን ሕግን ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ይረአ ምህላው ፍሪደም ሃውስ ገሊጹ