ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ይቆጻጸሩ፡ ኣብታ ሃገር ተዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝተሓዋወሰ ግብረ-መልሲ የርእዩ

ፋይል- አባላት ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ከተማ ካቡል

ካብቶም ኣብ ፈለማ ናብ ኣፍጋኒስታን ዝተለአኹ ሓያሎ ወተሃደራትን ኣዘዝቲን ድሕሪ 20 ዓመታት እታ ሃገር ናብ ኢድ ጣሊባን ክትምለስ እንከላን ኣመሪካ ኣብ እትወጸሉን ሰዓታት ዝተሰምዖምን ርእይቶኦምን ንድምጺ ኣመሪካ አካፊሎም ኣሎ።

ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሚዙሪ ዝርከብ ገዛኡ ኰይኑ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርአ ዘሎ ገስጋስ ኣብ ቴለቪዥን ዝዕዘብ ዝነበረ ስቲቭ ሃቸርሰን ንዝርኣዮ ክኣምን ኣይከኣለን። ኣባል ፍሉይ ኣሃዱ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ሃቸርሰን፡“ምርኣዩ ዝከኣል ኣይኰነን። ሰይጎን ክትተሓዝ እንከላ ዘርኢ ምስሊ እንተ ተዓዚብካ ልክዕ ንዕኡ’ዩ ዘዘኻኽር። ክንደይ ክቡር ህይወትን ጸጋታትን ኣጥፊእናስ ከምዚ ኢሉ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ክፈርስ የሕዝን”ይብል ።

ካብቶም ኣብ 2002 ናብ ኣፍጋኒስታን ዝተላእኩ ቀዳሞት ኣመሪካውያን ዝዀነ ሃቸርሰን፡ ንዳግመ-ምቁጽጻር ጣሊባን ኣብ ውልቁ ከም ዝመጾ’ዩ ዝርእዮ። ኣብቶም ኣሃዱ ክትትል በረራታት ዝዓዪ ዝነበረ ሃቸርሰን፡ ን20 ዓመታት ብሰላም ምሕላፉ’ውን ኣመሪካ ዘበገስቶ ተልእኾ ብዓወት ከም ዝዛዘመት ይገልጽ።

እቲ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጀመረቶ ደሞክራሲ ናይ ምስራጽ ፈተነ ግን “ተዓዋቲ ዘይብሉ ኲናት” ተካይድ ምንባራ ይሕብር ።ንሓሳባት ብሓሳብ እምበር ብኣጽዋርን ሰራዊትን ምስዓሩ ከም ዘይከኣል፡ እቲ ፈተነ ደሞክራሲ ከም ዝፈሸለ ከኣ ይገልጽ።

ሮንዳ ላውሰን፡ ቅድሚ 20 ዓመት ኣብቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ዝዓበየ መዓስከር ሓይሊ-ኣየር ኣመሪካ ኰይና ንኣፍጋናውያን ስልጠና ኣብ ምሃብ’ያ ትሰርሕ ነይራ። ሕጂ ኣብ መሪላንድ ኰይና ነቲ ምልውዋጥ ሓይሊ ክትዕዘቦ እንከላ፡ “እቲ ምእማኑ ዘጸግም ቅልጣፈ ናይቲ ፍጻመታ’ዩ” ትብል።

“ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ሃገሮም ክከላኸሉ ድሉውነት ውሑዲዎም ድዩ ወይስ ብርታዐ ናይ ጣሊባን’ዩ ክፈልዮ ኣይከኣልኩን። ብሓፈሻ ግን ኣዝዩ ዘሰንብድ’ዩ።”

ንኸም በዓል ዳን ምዩለር ዝኣመሰሉ፡ ክልተ ግዜ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ግን ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ግድንን ክኸውን ዘለዎን’ዩ። ብዅሉ ወገናታ ዘይጥዕምቲ ዝዀነት ኣፍጋኒስታን፡ ህላወ ሰራዊት ኣመሪካ ድሕሪ 20 ፍጹም ኣድላይነት ከም ዘይብሉን ምናልባት ጣሊባን ካብ መስመር ዝወጽእ እንተ መሲሉ ድማ ዘድሊ ግብረ-መልሲ ምሃቡን ምዃኑ ምዩለር ይዛረብ።

ጣሊባን ዳጋም ንኣፍጋኒስታን ኣብ ዝቆጻጸረሉን ሓያሎ ዜጋታት ነብሶም ከድሕኑ ይፍትኑ ኣብ ዘለዉሉን ግዜ፡ መጻኢ እታ ሃገር ገና ኣይነጸረን።