ጣሊባን ንኣባላት ዳዕሽ-ከይ ደምሲሲና ይብሉ

ንኣፍጋኒስታን ዝመርሕ ዘሎ ጣሊባን፡ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ካቡል ብዝገበሮ ስርሒት፡ ኣብ ከተማ ካቡል ዝነበረት ኣሃዱ ጕጅለ ዳዕሽ ከም ዝደምሰስ ኣፍሊጡ። እዚ ፍጻመ ብሰንበት ድሕሪ ዝተኻየደ፡ ህይወት ሸሞንት ሲቪላውያን ዜጋታት ወሲዱ ንኻልኦት 20 ዘቝሰለ፡ ምስ ዳዕሽ ምትእስሳር ከም ዘለዎም ዝፍለጡ ጕጅለ፡ መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ’ዩ። እቲ ብዳዕሽ-ከይ ዝፍለጥ ጕጅለ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሱ ኣባላቱ ድማ ኵላቶም ከም ዝተቐትሉ ወሃብ ቃል ጣሊባን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ተቐማጦ ካቡል ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ከም ዝነበረ ክምስክሩ እንከለዉ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ጣሊባን፡ ሓያሎ ካብቶም ምስቲ ጕጅለ ዳዕሽ-ከይ ዝተኣሳሰሩ ዕጡቓት ጕጅለ ኣብቲ ስርሒት ድሕሪ ምኽባቦም ባዕላቶም ነብሶም ከም ዘሐልፉ የመልክት።

ጕጅለ ዳዕሽ-ከይ፡ ኣንጻር ጣሊባን ዝቐነዐ ሓያሎ መጥቃዕታት ምፍጻሙ ደኣ የምልክት እምበር፡ ነዚ ዳሕራይ ዝተኻየደ ልውውጥ ተዅሲን ብጣሊባን ዝተነገረ ዓወትን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ ግን ዛጊት የሎን።

ብጕጅለ ዳዕሽ-ከይ፡ ብሰንበት ኣብ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ህይወት 13 ዜጋታት ኣመሪካ ዝርከቡዎም 200 ሰባት ዝወሰደ መጥቃዕቲ እቲ ዝበርትዐ’ዩ።