ጣሊባን ቍጽጽሮም የሐይሉ፡ ማዕርፎ-ነገርቲ ካቡል ኣብ ሕንፍሽፍሽ ኣትዩ

ማዕርፎ-ነገርቲ ካቡል

ዕጡቓት ጉጅለ ጣሊባን ንህንጻ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ ፡ ብቕልጡፍ ምልውዋጥ ሓይሊ ዓቕሎም ዝጸበቦም ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ምስ ወጻኢ ርክብ ዝጸንሖም ኣፍጋናውያንን ነብሶም ንኸድሕኑ ንማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ሕንፍሽፍሽ የእትዮሞ ምህላዎም ተፈሊጡ።

ዕጡቕ ጉጅለ ጣሊባን ድሕሪ 20 ዓመታት ንርእሰ-ከተማ ካቡል ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፡ ማዕርፎ-ነፈርቲ እታ ሃገር ቀንዲ መስሕብ ማዕከናት ዜና ኰይኑ ውዒሉ ኣሎ። ሓይልታት ጣሊባን ገስጋሶም ናብቲ ማዕርፎ-ነፈርቲ ከብሉ እንከለዉ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ድማ ብማዕዶ፡ እቲ ናይ ምግዓዝ በረራታት መታን ከይተዓናቐፍ፡ ናይ ምክልኻልን መፈራርሒን ተኹሲን ከስምዑ ውዒሎም።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብራዕዲ ዝሃድሙን ነብሶም ከድሕኑ ዝጓየዩን ዜጋታት በበይኖም ሃገራት ብሰፊሑ ይካፈለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ በዓለ-መዚ መጓዓዝያ ኣየር ኣፍጋኒስታን ድማ፡ ማዕርፎ-ነፍርቲ ካቡል “ክሳብ ዝቕጽል መምርሒ” ንሲቪላዊ በረራታት ዕጹው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓያሎ መገዲ ኣየራት ከምእኒ ዩናይት ናይ ኣመሪካ፣ ብሪቲሽ ኣየርወይስ ናይ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ሉፍታንዛ ናይ ጀርመንን ናብ ክሊ-ኣየር ኣፍጋኒስታን ምብራር ብወግዒ ደው ከም ዘበለኦ ክገልጻ እንከለዋ፡ ኢማራትን ናይ ፓኪስታን መገዲ-ኣየርን ከኣ ብፍሉይ በረራታተን ናብ ካቡል ከም ዘቋረጻ ኣመልኪተን።

ብዙሓት ኣብ ሃገራት ኤምባሲታተን ደኣ የውጽኣ እምበር፡ ገና ሰራሕተኛታተን ብምሉኡ ከየውጽኣ ሚዛን ሓይሊ ስለ ዝተቐያየረ፡ ማዕርፎ-ነፈርቲ ካቡል ኣብ ቀውሲ’ዩ ኣትዩ።

ሰራዊት ጣሊባን፡ ጎደናታት ከተማ ካቡል እናዘሩን ሓለዋታቶም እናቐጽሉን ይርኣዩ ኣለዉ።

ሓደ ካብ መስረቲ እቲ ጉጅለን ምኽታል ኣዛዚ ጣሊባንን ሙላህ ዓብዱል-ቓኒ ባራዳር ብሰንበት ካብ ኣብ ዶሓ ቐጠር ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝፈነዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ነቶም ተቓለስቲ ድሕሪ ምምጓስ፡ ሓላፍነት ህዝቢን ካልእ ጉዳያትን ኣብታ ሃገር ንዓኣቶም ከም ዝምልከት ወሲኹ። እቲ መራሒ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝዝረብ ብቛንቋ ፓሽቶ ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ፡ ህዝቢ ክረጋጋእን ዘድሊ ጠላባት ከማልኡ ምዃኖምን ኣመልኪቱ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ጣሊባን ድሕነት ዜጋታት ከውሕስ ጸዊዖም። ኣመሪካ እትርከብን 60 ሃገራት ብሰንበት ኣብ ዘውጽአኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ’ውን፡ ጣሊባን ንውሑስ በረራ ዜጋታተን ካልኦት ክወጹ ንዝደልዩ ኣፍጋናውያንን ከተግብር ተማሕጺነን።

ፕረዚደነት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ቓኒ፡ ምስ ምኽትሎምን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-መዚን፡ ብሰንበት’ዮም ነታ ርእሰ-ከተማ ለቒቖም ናብ ታጃኪስታን ሃዲሞም። እቶም ፕረዚደንት ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝለጠፉዎ ጽሑፍ፡ ምፍሳስ ደም ከውግዱ ከም ዝሃደሙ ድሕሪ ምሕባር፡ ካብ ታጃኪስታን ናብ ዘይተፈልጠ ስፍራ ምኻዶም ተፈሊጡ ኣሎ።