ጠንቂ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ዋሕዲ ማይ ምዃኑ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ጠንቂ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ዋሕዲ ማይ ምዃኑ ተገሊጹ


ሓንቲ ካብ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌትሪክ ብፈረቓ ንተገልገልቲ ምዕዳል ጀሚራ'ላ።

ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ጅቡቲን ሱዳንን ትሰዶ ዝነበረት ኣብ ዓመት 82 ሚልዮን ዶላር አታዊ ዝነበሮ ቀረብ ጸዓት'ውን ደው ምባላ ተፈሊጡ'ሎ። መንግስቲ ኣብ መመንጨዊ ጸዓት ግልገል ጊበ 3 ዘጋጠመ ዋሕዲ ማይ ንምጉዳይ ፍርያት ጸዓት ጠንቂ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኮርፐረሽን ሓይሊ ኤሌትሪክ ዳይሬክተር ክፍሊ ኮሚኒኬሽን ኣቶ ሞገስ መኮነን "ንሕና ኣብ ለውጢ ክሊማ ዓለም ዘለና ኣበርክቶ ውሑድ'ዩ ለውጢ ክሊማ ዓለም ኣባና ዘለዎ ጽልዋ ግን ዓብይ'ዩ ።እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ካብዚ ወጻኢ ብካልእ መልክዕ ንርእየሉ ምክያት'ውን የለን: ስለዚ ፋይናሳዊ ጸገም እንተዘይገጢሙና ካብዚ ለውጢ ክሊማ ዓለም ዘስዓቦ ሽግር ንምፍታሕ ዝከአለና ኩሉ ክንገብር ኢና።"

እዚ አጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ማይ ኣብ ፍርያት ጸዓት ብ467ሜጋ ዋት ክጎድል አገዲዱ'ዩ። እዚ ድማ ሓደ ሲሶ ካብቲ ነታ ሃገር ዘድልይ ቀረብ ሓይሊ ኤሌትሪክ'ዩ።

ኣብ አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ስነ ቁጠባ ፕሮ. አለማየሁ ገዳ "ዓብይ ካብ ማይ ዝፈርይ ጸዓት ናይ ምምንጫው ዓቅሚ ኣለና ዳርጋ 45, 000 ሜጋ ዋት ካብ ንፋስ ድማ 1.3 ሚልዮን ነዚ ክንጥቐመሉ ኣለና እዚ ምስ ዝኸውን ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኾነ ንኣፍሪቃ'ውን ዝኣክል ጸዓት ከነመንጭው ንኽእል።"