ጕጅለ ኣልሸባብ ንምርጫ ሶማል ክዕንቅፎ ምዃኑ የጠንቅቕ

ሶማል ንዝመጽእ ሰሙን ንሃገራዊ ምርጫ ትዳለወሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ጕጅለ ግብረሽበራ ኣልሸባብ፡ ህዝቢ ድምጹ ንኸይህብ የጠንቅቕ ኣሎ። ኣብቲ ብመገዲ ወከልቲ ቀቢላታት ዝወሃብ፡ ንኣባላት ባይቶ ዝግበር ምርጫ፡ ድምጾም ዝህቡ ዜጋታት ጕድኣት ክወርዶም ምዃኑ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ኣመልኪቱ። ኣልሸባብ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጠንቀቕታ ቃል፡ ኣብ ምርጫ 2017 ዝነበረ መጥቃዕቲ ክድገም ከም ዝኽእል ኣዘኻኺሩ። ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል ግን እንትርፎ ስግኣት ምፍጣር፡ ንደሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ ህዝቢ ዝዓግት ሓይሊ ከም ዘየሎ ከረጋግኡ ይፍትኑ ኣለዉ።

ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብታ ሃገር ንዝገበር ባይቶኣዊን ፕረዚደንታዊን ምርጫ ከሰናኽሎ ምዃኑ የመልክት ኣሎ። መራሒ’ቲ ጕጅለ ኣሕመድ ኣቡ ዑባይዳህ፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ምርጫ ብመትከል ከም ዝቃወሙዎ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ መራሒ፡ ህዝቢ፡ በቲ ባዶ መብጽዓን ናይ ይምሰል ምርጫን ከይተደናገረ፡ ንውሕሰነት ህይወቱ ክሓስብ መኺሩ። ንምዝኽኻር ድማ እቶም ዕጫ ናይቶም ኣብ 2017 ዝመረጹ መራሕቲ ቀቢላታት ጠቒሱ። ካብቶም ሽዑ ድምጾም ዝሃቡ መራሕቲ ቀቢላታት ገሊኣቶም በቲ ዕጡቕ ጕጅለ ክቕንጸሉ እንከለዉ፡ ብዙሓት ብህይወት ዘለዉ’ውን ኣብ ፍርሒ ከም ዝነብሩ ይፍለጥ።

እቲ ጕጅለ፡ ናይቲ ኣብ እዋን ምርጫ 2017 ዝተፈጸመ፡ ህይወት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ዝወሰደ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ነይሩ።

ዑባይዳህ፡ ንመምርሒ ኣልሸባብ ዝጠሓሰ ብህይወት ክቕጽል ውሑስ ከም ዘይኰነ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ንወሃብቲ ድምጺ፡ ዳግም ክሓስቡሉ መኺሩ ኣሎ።

ኣብቲ ሰንበት ዝጅምር ምርጫ፡ መራሕቲ 54 እንዳታት፡ ንኣባላት ባይቶ ክመርጹ’ዮም።

ቅድም ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሶማል ዝነበረ ዓብዲሰላም ጉላዲ፡ እቲ ብኣልሸባብ ዝወሃብ ዘሎ መጠንቀቕታ፡ ዕላማኡ ራዕዲ ንምፍጣር ምዃኑ ይገልጽ።ንሱ ወሲኹ እቲ በዓል-መዚ ነበር፡ እቲ ዝወሃብ ዘሎ መጠንቀቕታታት ብሸለልትነት ከይርአ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ምስኡ ዝዳርግ ምድልዋትን ግብረ-መልሲን ክካየደሉ ጸዊዑ። እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ልዕሊ መራጾ፡ ራዕዲን ምጥርጣርን ካብ ምፍጣር ከም ዘይተርፍ ድሕሪ ምጥቃስ ድማ፡ ከምኡ ዝመስል ተግባራት ግን ንደሞክራሲያዊ መስርሕ ከም ዘይዕንቅፎ ኣስሚሩሉ።

ኣውሓስቲ ጸጥታ ሶማል ምስ “ኣሚሶም” ዝተሰመየመ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝምወል ሓይሊ ብምውህሃድ፡ ነቲ ምርጫ ብሰላም ክሓልፍ ዘድሊ ስራሓት ኣብ ምግባር ይርከቡ።

ከም ኣገልላልጻ ልዕለዋይ ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ዓብዲ ዲርሸ፡ ውሑስ ምርጫ ንምሕላፍ እቲ ኣሃዱ ዘይኣትዎ ጕድጓን ዘይፍንቅሎ እምኒን ኣይክህሉን’ዩ። ኣልሸባብ ክሰዓሩን ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ክሕግሓጉን ምዃኖም ድማ እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ ብእምነት ይዛረብ።

ሃገራዊ ምርጫ ሶማሊያ ብሓደ ዓመት ምንዋሑ ይዝከር። ባይቶ’ታ ሃገር ንዕድመ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ኣናዊሑዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ዳሕራይ ብዝሰዓበ ናይ ደገን ውሽጢን ተቓውሞ ግን እቲ ውሳነ ተሰሪዙ’ዩ።