ጓሶት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደርቂ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ይርከቡ

Your browser doesn’t support HTML5

ጓሶት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ደርቂ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ይርከቡ

ብሓያል ደርቂ ኣብ ዝተጠቕዐት ከባቢ ምብራቕ ኢትዮጵያ እንስሳት ብምርባሕ ዝናበሩ ኣብ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታት ይርከቡ። ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝተባህለ ደርቂ እንስሳት ሃሊቀን ነበርቲ ህይወቶም ንምትራፍ ካብ መረበቶም ክስደዱ ይመርፁ ኣለው።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ደርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ 12 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ‘’ብርቱዕ ሻቐሎት ውሕስነት መግቢ’’ እእትዩዎም ይርከብ።ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዕናዊ ዂናት ሰሜን ተሓዊሱዎ።

ካብ 2021 ኣትሒዙ ልዕሊ 4.5 ሚሊዮን እንስሳት ሃሊቀን ካልኦት ‘’ዝደኸማን ዝተጎድኣን’’ 30 ሚሊዮን ድማ ኣብ ሓደጋ ይርከባ ።