ግዳያት መጭወይቲ ዝነበራ ናይጀሪያውያን ምስ ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ተራኺበን፡ ተዘራሪበን

ብጥሩፋት ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ኣብ ናይጀሪያ ተጨውየን ነይረን ድሕሪ ነዊሕ ምክልባት ዘምለጣ ክልተ ደቀንስትዮ ምስ ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፍራንሲስ ተራኺበን፡ተዘራሪበን።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ እዘን ክልተ ኣመንቲ ክርስትና ዝዀነ ናይጀሪውያን ነቶም ጳጳስ ኣብ ቫቲካን ብምኻድ’የን ብምኽንያት ትማሊ ተዘኪሩ ዝወዓል ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ረኺበንኦም። እዚ ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝተኸናወነ ርክብ፡ በቲ ዕለት ምኽንያት ክብሪ ነተን ከቢድ ስቅያት ዘሕለፋ ደቀንስትዮ ንምርኣይን ሽግራተን ንምስማዕን’ዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጕጅለ ቦኮ-ሓራም ኣብ 2019 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ብሰንኪ’ቲ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ዝተፈጥረ ስእነት ጸጥታ፡ ኣስታት 35-ሽሕ ዜጋታት ተቐቲሎም፡ 2.1 ሚልዮን ዝበጽሑ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም’ዮም።