ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንምዝርራብ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝራኸቡ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንምዝርራብ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝራኸቡ ተገሊጹ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብመንጎኛታት ዝካየድ ልዝብ ሃገሮም ከምትሳተፍ ትማሊ ሶሉስ ኣፍሊጦም።

ግብጺ፡ሱዳንን ኢትዮጵያን “ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሕዳር 6 ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ክዘራረቡ’ዮም” ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ሓቢሮም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ምስ ናይ ጀርመን መዘነኦም ሄኮ ማስ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ብ4 ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሴ ንምንጪ ጸዓት’ታ ሃገር ኣገዳሲ ምኳኑ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

ግብጺ ብወገና እቲ ግድብ ንዋሕዚ ዓቐን ማይ ፈለግ ኒል ናብ ግብጺ ክጸልው ይክእል’ዩ ብምባል ስግኣታ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

ነቲ ንትሸዓተ ዓመታት ብዘይፈረ ዝጸንሓ ልዝብ እዘን ሃገራት ዓለምለኸ መንጎኛ ክኣትው ድሕሪ ክቐርብ ዝጸንሓ ጻውዒት ኣሜሪካ ብመንጎኝነት ንስለስቲኣን ሃገራት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክራኸባ ንዘቕረበቶ ሓሳብ ግብጺ ምቕባላ ሚንስትር ሻኩረይ ብምግላጽ ኣብቲ ልዝብ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ከምዝሳተፉ’ውን ሓቢሮም ኣለው።

ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ብወገኖም ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ምስ ፕረ.ትራሞፕ ኣብ ጎኒ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተራኸብሉ ንመንጎኛነት ኣሜሪካ ጻውዒት ምቕራቦም ይገልጹ።

ፕረዚደንት ትራሞፕ ድማ ንሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ሙኒቺን ነቲ ልዝብ ብመንጎኛነት ክመርሑ መዚዞም ኣለው።

ኣቐዲሞም መራሕቲ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ምዝርራቦም ይፍለጥ።