ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንምዝርራብ ኣብ ዋሽንግተን ከምዝራኸቡ ተገሊጹ

Your browser doesn’t support HTML5

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብመንጎኛታት ዝካየድ ልዝብ ሃገሮም ከምትሳተፍ ትማሊ ሶሉስ ኣፍሊጦም። ግብጺ፡ሱዳንን ኢትዮጵያን “ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ሕዳር 6 ተራኺቦም ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ክዘራረቡ’ዮም” ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሻምህ ሻኩረይ ሓቢሮም።