'ግብጺ ንፍልልያት ብልዝብ ንምፍታሕ ተሰማሚዓ’ላ' ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዝገበርዎ ልዝብ ምርድዳእ ዝመልኦ ኔሩ ክብሉ ኣፍሊጦም።

ግብጺ ኣዝዩ ዘሻቕላ ኩነታት ኣመላልኣ’ቲ ግድብ ምዃኑ ዝገለጹ ቀ/ሚ ኣብይ ኣብቲ ጉዳይ ቀጻሊ ልዝባት ክካየድ’ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ናይ ግብጺ ፕረዚደንት ዓብደልፈታህ ኣልሲሲ ዝተራኸቡ ኣብ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ’ዩ።

ኣብ ሩስያ ከተማ ሶቺ ኣብ ዝተካየደ ልዝብ ክልቲኦም መራሕቲ ኣመልኪቱ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጹ ግብጺ ንፍልልያት ብልዝብ ንምፍታሕ ተሰማሚዓ’ላ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

'ግብጺ ንፍልልያት ብልዝብ ንምፍታሕ ተሰማሚዓ’ላ' ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ