ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከይወጽእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸልከለ ሃይማኖታዊ መገልገሊ

Your browser doesn’t support HTML5

ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ አካላት ከይወጽእ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተከልከለ ሃይማኖታዊ መገልገሊ

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስን ካልኦት ብፁኣን ኣቦታትን ናብ ኣመሪካ ሒዞምዎም ክወፁ ተዳሊዮም ዝነበሩ ሃይማኖታዊ መገልገልታት፣ ሓድግታት ከምዘይኮኑ እናተፈለጠ ከየሓልፉ ምኽልካል ግቡእ ኣይኮነን ክትብል ቤተክርስቲያን ነቒፋ።

በዓል መዚ መፅናዕትን ሓለዋን ሓድግታት ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ሃይማኖታዊ መገልገልታት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ብምኽታል ብቐሊሉ ክወፁ ይኽእሉ ነይሮም'ዮም ይብል።

ቤት ፅሕፈት ጉምሩክ ጨንፈር ቦሌ ድማ እቶም ሃይማኖታዊ መገልገልታት ከየሓልፉ ኣይከልከልናን፣ ነዚ ዝገበረ ድሕንነት ኣቭየሽን እዩ ይብል።

ግብረ መልሲ ኣይቭየሽን ግን ክንረኽብ ኣይክኣልናን።