ግብረ መልሲ ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ሚ/ጉ/ወ ኣሜሪካ

  • በትረ ስልጣን

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ግብረ መልሲ ሂቡ።

ብመሰረት'ቲ መግለጺ "መግለጺ ኣሜሪካ ዝወጸሉ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ሓባራዊ ስግኣታት ኣዎንታዊን ሃናጺን ጽምዶ ኣብ ዝገብረሉ እዋን፣ ንፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጄፍርይ ፈልትማን ተቀቢላ ድሕሪ ምትእንጋዳ እዩ" ይብል።

ብዘይካ'ዚ፣ ኢትዮጵያ ንመበል ሻድሻይ ዙር ሃገራዊ ምርጫ ንምትእንጋድ ኣብ ትቀራረበሉ ጊዜ ስለዝኾነ ግጉይ መልእኽቲ ዘማሓላልፍ እዩ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድጋፍ’ምበር ከምዚ ዝዓይነቱ ስጉምቲ ኣይተጸበየን ነይሩ ይብል።

እቲ መግለጺ ወሲኹ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊሙ ከምዝገለጾ፣ ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታው ዘይቅኑዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ተቀባልነት ዘይብሉ’ዩ" ኢሉ።

እቲ ዝያዳ ዘሕዝን ድማ ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ "ምምሕዳር ኣሜሪካ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ’ቲ ፓርላማ ኢትዮጵያ ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኢሉ ዝገልጾ ህወሓት ብማዕሪ ንክሪኢ ምፍታኑ’ዩ’፣ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝስዕቦ ኣንፈት ጌጋ ንምኳኑ ካብ’ዚ ንላዕሊ መርአዪ የለን።"

ብመንጽር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸሙ መግሃስቲ መሰላት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎም መብጽዓታት ይፍጽም ኣሎ፣ ፈጸምቲ ግፍዒ ናብ ፍርዲ የቅርቦም ኣሎ። ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ብዝምልከት፣ እቲ ጸገም ናይ ምትዕንቃፍ ረድኤት ዘይኮነ ድሩትነት ዓቅሚን ጸጋን እዩ ኢሉ።

አብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ምእታው መፍትሒ እንተዘይተገይርሉ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ኣሜሪካ ዝጸንሖ ጽምዶ ዳግም ክግምግምን ጽልውኡ ካብ ክልተኣዊ ርክባት ዝሓላፈ ክኾን ከምዝኽእልን’ውን ጠቂሱ።