5 ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ኣብ ቐይዲ ይርከቡ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ቴለቪዥን ትግራይ ዝሰርሑ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ብጸጥታ’ቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣለዉ። ኣኽባር ሕጊ መቐለ “ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም” ክብል ይኸስስ፣ ስድራቤቶምን ጠበቐኦምን ግን እቲ ዝተዋህበ ምኽንያት ምስቲ ክውንነት ዘይከይድን ሽፋንን ምዃኑ ይምጉቱ።