ጋንታ ጋሽ ባርካ ሳውዝ ሳኮታ ተዓዋቲት መበል 34 ፈደረሽን ስፖርት ኤርትራዊያን ሰ.ኣሜሪካ ኮይና
Your browser doesn’t support HTML5
ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ መበል 34 ፈደረሽን ስፖርት ኤርትራዊያን ሰ.ኣሜሪካ ጋንታ ጋሽ ባርካ ሳውዝ ዳኮታ ተዓዋቲት ኮይና’ላ።
እቲ ኣብ ከተማ ሚናፖሊስ ሚነሶታ ክካየድ ዝቐነየ ፌስቲቫል ስፖርት ኤርትራዊያን ብቐዳም ተዛዚሙ’ሎ።
ጋንታ ሞሞና ሲያትል ሓደ ካብ አባላት’ታ ጋንታ ብቀይሕ ካርድ ምውጽኡ ዝብል ውሳነ ፈደረሽን ብዘይምቕባሎም ጸወታ ረጊጾም ምውጽኦም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።