ጉጅለ ምርመራ ውዱብ ጥዕና ዓለም ናብ ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ቻይና ምብጽሑ ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ሓደ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብቲ ፈላማይ ቫይረስ ኮሮና ዝተራኣየሉ ከባቢ ቻይና ነቲ ምንጪ ንምፍላጥ ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፡ ሎሚ ንማእከል ምቁጽጻር ሕማማት`ቲ ዞባ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

ቻይና ብዛዕባ ምብጻሕ`ቲ ጉጅለ ኣይተዛረበትን፡ ኣባል`ታ ጉጅለ ዝኾነ ፒተር ዳስዛክ ግን እቲ ርክብ ጽቡቕን ኣገዳስን ምንባሩ ንሪፖርተራት ተዛሪቡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጸሊም ዝተኸደኑ ሕሉፋት ኦርቶዶክስ እስራኤላውያን ነቲ መምርሒ መንግስቲ ብምንጻግ ኣብ ቀብሪ ክልተ ፍሉጣት ሃይማኖታዊ መራሕቶም ንምስታፍ ተኣኪቦም።

እቶም ብጻዕቒ ዝተኣከቡ እስራኤላውያን ማስክ`ውን ኣይገበሩን-መምርሒ ምፍንታት`ውን ኣየኽበሩን። እስራኤል ዕቱብ ዝኾነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ጀሚራ`ላ እንተኾነ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ ዓይነት ምትእኽኻባት ነቲ ምዕባለ ምዝርጋሕ ክታበት ንድሕሪት ክጎቶ ይኽእል`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ድማ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዚንካ ትሸዓተ ሚልየን ተወሳኺ ዓቐን ክታበት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክልእኽ ተሰማሚዑ`ሎ።