ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደል ዓዚዝ ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ከካይድ ዝቕነየ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ሎሚ ኣብ ሪያድ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደል ዓዚዝ ተራኺቡ።

ኣብ`ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስዑዲ ዓረብ ዝተጻወተቶ ተራ ከምዘመስገኑ ናብ`ቶም ንጉስ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ምግላጾም፡ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ንጉስ ሳልማን ብወገኖም፡ ንሰላምን ጸጥታን`ቲ ዞባ፡ ስዑዲ ዓረብ ሓላፍነታ ከምትግንዘብን ንሓበራዊ ረብሓን ምትሕግጋዝን ከምትሰርሕን ከምዘረጋገጹ፡ ኣቶ የማነ ኣብ`ቲ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ጠቒሱ`ሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ቅድሚ ናብ ስዑዲ ምቕንዑ፡ ግብጽን ሶማልያን በጺሑ ምንባሩ ይፍለጥ።