ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓይኒ ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ

Your browser doesn’t support HTML5

ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓይኒ ወሃቢት ቃል ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፥ ትካል ተመለስቲን ስደተኛታትን ዓርርዓ ወይ ድማ በዚ ሓድሽ መጸውዒኡ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ብምዕጻዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ንኸቢድ ጸገም ተቓሊዖም ኣለዉ። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ፡ ንወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ጨንፈር ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚስ ፈይዝ ካሲና ኣዘራሪብናያ ኣሎና።

ሕቶ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሕልፊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ ነይሩ። ከምቲ መግለጺ፡ ኩሉ ወገናት እናኸፍአ ይመጽእ ደኣ ይሃሉ’ምበር፡ ብሕልፊ ኣብ መዳይ ጥዕናን ቀረባትን ግን ኣመና ኣሻቓሊ ምህላዉ ሓቢሩ ኣሎ። ልዕሊ 20 ስደተኛታት ምማቶም’ውን ጠቒሱ ኣሎ’ሞ ብዛዕባ’ዚ ቁሩብ ከተብርህለይ፧

መልሲ፡ ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሰሙናት እናገደድ ክመጽእ ዝጸንሐ ምንቍልቋል ቀረባት መድሃኒት ኣብቶም ስደተኛታት ኣሎ። እዚ ከኣ ብቐንዱ ብስእነት መድሃኒትን ቀረብ ሕክምና’ዩ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ክልል ዝነበሩ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት መድሃኒት፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ጥሪ ጀሚሮም ተዓጽዮም ኣለዉ። ድርኺት ሞት ዝዀኑ በበይኖም ምኽንያታት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ደኣ ይዅኑ እምበር፡ ገሊኣቶም ብሰንኪ ስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ኢዮም። ካልእ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ስእነት መግቢ’ዩ። ኣብቲ ሃገርን ክልልን ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት መግቢ፡ ብዙሓት ንጥሜትን ዓጸቦን ተሳጢሖም ኣለዉ።

ሕቶ፡ እቶም ዝሞቱ ዕስራ ዝዀኑ ስደተኛታት መን ምዃኖም ወይ ኣበይናይ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ምዃኖም ሓበሬታ ኣሎኪ’ዶ፧

መልሲ፡ ብዛዕባ ዝርዝር ምዉታት ሓበሬታ የብለይን። ዛጊት በጺሑኒ ዘሎ ሓበሬታ ብሰንኪ’ዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩልኪ ምኽንያታት ክንድኡ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ምማቶም ጥራይ’ዩ።

ሕቶ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ ነይሩ’ሞ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ስደተኛታት ኣብዘን ክልተ መዓስከራት እንታይ ይመስል፧

መልሲ፡ ከም ዝፍለጥ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ፡ ናብ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን ክበጽሕ ኣይከኣለን። እዚ ከኣ ቀንዲ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ’ዩ። ኣብቲ ክንበጽሓሉ ዝኸኣልና እዋን ዝተዓዘብናዮ ግን ስደተኛታት ንምንባር ዘሕልፉዎ ከቢድ ቃልሲ ኢና ተዓዚብና። ኣብ ምሉእ’ቲ ክልል ሕጽረት ነዳዲ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ብዝያዳ ነቶም ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ንተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዓጽዩዎም። ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ’ውን ጽሩይ ማይ ንምቕራብ ኣይተኻእለን። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ባህርያውያን መዕቆሪ ማያት’ውን እናተወድኡ ይመጹ ብምህላዎም ነቶም ስደተኛታት መሊሱ ንዝበርትዐ ጸገም የሳጥሖም ኣሎ። መግቢ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ስለ ዘይክኣለ ከኣ ናብቶም ስደተኛታት ንምብጻሕ’ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ።

ሕቶ፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ንጸገም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ምምሕዳር ክልል ርክብ ይገብር ኣሎ ዲዩ፧

መልሲ፡ እወ። ርክብ ጸኒሑናን ቀጻሊ’ውን ኣብ ምድፋእን ንርከብ። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳዮም እኹል ኣቓልቦ ክህቦ ደጋጊምና ነዘኻኽር ኢና። እዚ ግን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ኵላቶም ኣካላት ሲቪላውያን ህዝቢን ስደተኛታትን ውሑሳት ክዀኑ ርክብ ንገብር ኢና። ካብ ባይታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ’ውን ብቐጻሊ ነቶም ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ንህብ ኢና። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ በበይኖም ኣካላት’ውን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕድል ክኸፍቱ’ውን ቀጻሊ ድፍኢት ንገብር ኢና።

ሕቶ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ክልል ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝገዓዙ ስደተኛታት ነይሮም። ብዛዕበኦም ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ ክትሕብርና እንተ ትኽእሊ፧ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝነበረ ኲናት’ከ ከመይ ጸልዩዎም፧

መልሲ:ዝሓሸን ውሑስን ቦታ ክረኽበሎም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርርብ ኢና ኔርና። እዞም ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ’ዮም ዘለዉ። ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ኣትሒዙ ከኣ ብሕልፊ ኣብቲ ክልል እቲ ኲናት ብተዛማዲ ክዝሕል’ዩ ጸኒሑ። ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሰሙን ድማ 636 ስደተኛታት ናብ ዳባት ግዒዞም ኣለዉ። ሕጂ ከኣ ኣብ ግዜያዊ መጻንሒ ቦታታት ተዓቚቦም ኣለዉ። እዚ ግን ክሳብ ግቡእ መጣየሲ ቦታታት ዝመዓረየሎም’ዩ። ንሱ ክሳብ ዝኸውን ግን ቤት ጽሕፈትና ነቶም ስደተኛታት ዘድሊ መሰረታዊ ቀረባት ከም ጀሪካናት፡ መንጸፍ፡ መጸራረዪ ወዘተ ይህብ ኣሎ። እቶም ኣብ ደባት ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ መዳይ ውሕስነት ካብቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ይሕሹ። እንተዀነ ብዛዕባ ኵላቶም ዘድሊ ሓገዝን ውሕስነትን ክግበረሎም ካብ ምጥባቕ ኣየዕረፍናን። ነዚ ንምግባር ድማ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክፍጸምን ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክግበርን ኢና እንላቦ። እንተዀነ እዚ ሽግራት ብዝበኣሰ መጠን፡ ሽግር ስደተኛታት እናዓበየ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ።

ሕቶ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ደባት ግዒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ክንደይ ይበጽሑ፧

መልሲ፡ ክሳብ ሕጂ 636 ስደተኛታት ናብ ደባት ግዒዞም ኣብቲ ናይ ህጹጽ እዋን መጽንሒ እንብሎ ተዓቚቦም ኣለዉ።

ሕቶ፡ እቲ ኣሃዝ ውሑድ’ዩ’ሞ እዛ ብሰንኪ’ቲ ዘሎ ኲናት ንምግዓዞም ስለ ዘጸገመ ድዩ ወይስ እቶም ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ክጸንሑ ስለ ዝመረጹ’ዮም፧

መልሲ፡ ከምቲ ዝጠቕስክዮ፡ ነቶም ስደተኛታት ብውሑስ መንገዲ ካብ ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ንምግዓዞም ኣጸጋሚ’ዩ። ብኸምኡ ምኽንያት ከኣ ኢና ነቶም ኣብቲ ውግእ ኢድ ዘለዎም ኣካላት፡ ደጋጊምና ውሕስነት ክፈጥሩ ንጽውዕ ዘሎና።

ሕቶ፡ ዝምድና ዓርርዓን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ከመይ’ዩ፧ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ኵሉ መሰረታዊ መሰላት ተሓሪሞም’ዮም ዘለዉ። ከም ስደተኛታት ኣይረኣዩን’ዮም፡ ናይ ነባርነት መሰልን ወረቐትን ድማ የብሎምን። ብዛዕባ’ዚ ምስ ዓርርዓ ተዘራሪብኩም ትፈልጡ’ዶ፧

መልሲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዓርርዓ ቅርጹን ስሙን ቀዪሩ ኣሎ። ሕጂ ኣካል ስደተኛታትን ተመላለስቲን ዝብል ስም ሒዙ ኣሎ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከኣ ምስ’ዚ ትካል ብቐረባ ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን። ሓደ ካብኡ ንኣብነት ብዛዕባ ኣብ ምግዓዝ እዞም ናብ ደባት ዝተቐየሩ ስደተኛታት’ዩ። ዝምድናን ምስኣቶም ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ።

ሕቶ፡ እዚ ትካል ሕጂ ስደተኛታት ይምዝግብ ኣሎ ድዩ፧ ሕጂ ከመይ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፧

መልሲ፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ነሓሰን ሕዳርን ዝሓለፈ ዓመት ዓርርዓን እዚ ሕጂ ኣካል ስደተኛታትን ተመላለስቲን ዝብሃል ዘሎ ትካልን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትንን ልዕሊ 22 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት መዝጊቡን ኣጻርዩን። እዚኣቶም ገሊኦም ኣብ ከም በዓል ሽመልባን ካልኦት መዓስከራት ስደተኛታትን ካልእን ዝጸንሑ ኮይኖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዓዙ’ዮም። ኣብ ጥቓ ምዝዛም እዛ ዝሓለፈት ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ ነይሩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ሓድሽ ወረቐት ምሃብ ደው ኣቢሉ። እዚ ከኣ ንብዙሕ ጸልዩ’ዩ። ንኣብነት ገለ መዝገብ ዝደልዩ ስደተኛታት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ግን ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብቐጻሊ እናተራኸበ እቲ ኣገልግሎት ዝምለሰሉ መገዲ ኣብ ምንዳይን እቶም ብሕልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስደተኛታት ውሕስነት ዝረኽቡሉ መገዲን ኣብ ምንዳይ ይርከብ።

ሕቶ፡ እቲ ካብ ኣዲስ እንረኽቦ ዘሎና ሓበሬታ፡ ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ከምኡ ድማ ኣስታት 2000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ድማ ካብ ጥሪ 2020 ኣትሒዞም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ ከም ዘለዉ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኣሃዝ’ዚ ትፈልጥዮ ኣሎ’ዶ፧

መልሲ፡ ብዛዕባኡ ኣይሰምዕኩን። ዝሰምዕኩዎ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሳናን ካልእን ተሓባቢሩን ግቡእ ምጽራይ ገይሩን ብዛዕባ ዝህቦ መለልዪ ወረቐት ስደተኛታት’ዩ። ብኸምዚ 22 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተጻርዮም ተመዝጊቦም’ዮም። ዳሕራይ ግን ምስ ምእዋጅ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን እቲ መስርሕ ደው ኢሉ።

ሕቶ፡ ዓርርዓ እዚ ሕጂ ኣካል ስደተኛታትን ተመላለስቲንዝብሃል ዘሎ ትካል ከምኡ’ውን ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካብ ሕዳር 26፡ 2021 ጀሚሮም ብዘይ ዝኾነ ምልክትን መጠንቀቕታን ቤት ጽሕፈቶም ከም ዝዓጸዉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ስደተኛታት ይዛረቡ። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብል፧

መልሲ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ኣብቲ እዋን’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ። ምስቲ ኣዋጅ ተተሓሒዙ ድማ ዝዀነ መዛግብቲን ምስክር ወረቐትን ምሃብ ደው ኣቢሉ። ስለዚ እዚ እምበኣር ምስኡ ዝተኣሳሰር’ዩ። ሕጂ ግን እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ’ውን ተላዒሉ ኣሎ። ትካልና ድማ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ነቲ ስራሕ ክጅምሮ ተስፋ እገብር።

ሕቶ፡ ብሰንኪ’ዚ ዕጽዋ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ቪዛኦም ክሓርር፡ ወረቐት መርዓን ካልእ ኣገዳሲ መዝገብን ክስእኑ፡ በረራታቶም ክሰጋገርን ካልእን ከማርሩ ይስምዑ ኣለዉ። ስለዚ እዚ ኩሉ ብሰንኪ’ቲ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ድዩ ነይሩ፧

መልሲ፡ እወ። ከምኡ ኢልና ኢና እንኣምን። ምስ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ተተሓሒዙ ዝመጸ ጸገም ከም ምዃኑ መጠን ንሱ ምስ ተላዕለ ክመሓየሽ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ሕቶ፡ እሞ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ነቶም ከምዚ ዓይነት ምድንጓያት ዘጓነፎም እንታይ ክሕግዞም ይኽእል፧

መልሲ፡ ቀንዲ ስራሕና ነቶም ግቡእ ወረቐት ዘይሓዙ ስደተኛታት እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምስ ተላዕለ ቀልጢፎም ዝምዝገቡሉ መገዲ ምርግጋጽ’ዩ። ምስቶም ካልኦት ኣካላት ኴንና ድማ ከመይ ተወሳኺ ኣገልግሎት ከም እንህብ ክንሰርሕ ኢና።

ሕቶ፡ ስለዚ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን በዚ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ’ዩ ኢዱ ተታሒዙ ዘሎ ዲኺ ትብልኒ ዘለኺ፧

መልሲ፡ ኣብ ምምዝግባን ምጽራይን ተራ ከም ዘለዎ’የ ዝገልጽ ዘለኹ። ንብዙሓት ካብ ስራሓት’ውን ጸልዩና ኢዩ። ንኣብነት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምብጻሕ ጸልዩና’ዩ።

ሕቶ፡ እዚ ጸገም ቀልጢፉ ዝፍታሕ’ዶ ይመስለኪ፧

መልሲ፡ እዚ ሕቶ’ዚ ነቶም ሰብ መዚ’ዩ ዝምልከት። ንሕና’ውን ምስኣቶም ብምትሕብባር ኢና ንሰርሕ። ስለዚ እዚ ሕቶ ናብኣቶም ክቐንዕ ይምረጽ።

የመስግነኪ ፈይዝ ካሲና ካብ ናይሮቢ።