አዲስ አበባ —
ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት \ኢሰመጉ\ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ይፍፀም ዘሎ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተሓሳሰቦ ገሊፁ።እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፍፀሙ መጥቓዕትታት፣ ቕትለት፣ ምምዝባልን ምትዕንቃፍ ቀረባት መሰረተ ልምዓትን ኣብ ብርክት ዝበሉ ክልላት ይርኣዩ ኣለው ኢሉ።
ኢሰመጉ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኣብ ዘካየዶ ናይ መጀመሪያ ዳህሳስ መፅናዕቲ ውፅኢቱ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።እቲ ትካል ወሲኹ ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍንን ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ክኽበርን መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኩሎም ዜጋታትን ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ክፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ ።