ክልተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ፥ ድምጺ ኣሜሪካ ዝርከቦ ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ ክመርሕ ሓዲሽ ዝተመዘዘ ማይክል ፓክ፥ ንንዝወሰዶ ሓለፍቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ ከም ዝጎሃዩ ኣፍሊጦም። ሓዲሽ ኣማሓዳሪ ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ ማይክል ፓክ፡ ብፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ዝምዘዝ ክልተ ዓመት'ኳ እንተገብረ ሽመቱ ኣብ ሰነት ኣብ ምጽዳቕ ነዊሕ ከምዝወሰደ ይፍለጥ።
ንድምጺ ኣመሪካን ካልኦት ኣሓት ትካላትን ንምምራሕ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ስርሑ ዝጀመረ ማይክል ፓክ ንሓለፍቲ ፈነወ ማእከላይ ምብራቕ፥ራድዮ ፍሪ እስያ፥ ረድዮ ፍሪ ኤውሮጳ ፥ ፈነወ ኩባን፥ ኦፐን ቴክኖሎጂ ፋንድን ካብ ሓላፍነቶም ኣውሪድዎም ኣሎ።
ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣደ-መንበር ኮሚቴ ምደባ ገንዘብ ኒታ ሎዊ፥ ከምኡ ድማ፥ ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ዝምድናታት ወጻኢ ኤልየት ኤንግል- ክልቲኦም ደሞክራት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓባር መግለጺ፥ “ሚስተር ኣብ መጀመርያ ሰሙን ስርሑ ነዚ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ምውሳዱ ዘሰንብድ`ዩ፥ ኣብ ክንዲ ነቲ ዓንዲ ናጽነትን ደሞክራሲን ዝኾነ ናጻ ዜናዊ ጸብጻብ ምሕላውን ምስጓምን፥ ንፖለቲካዊ ረብሓ ምምሕዳር ትራምፕ ንምቕዳም`ዩ ናብ ሓላፍነት`ዚ ኣገዳሲ ኤጀንሲ መጺኡ ዘሎ ዝብል ዓሚቕ ስኽፍታ ኣለና" ኢሎም።
ኣሶሰይትድ ፕረስ ከም ዝጸብጸቦ፥ ማይክል ፓክ ሓዲሽ ሓላፊ ግሎባላዊ ሚድያ ምስ ምዃኑ ምስ ስልጣኑ ዝሳነ ስጉምቲ ምውሳዱ እንተዘይኮይኑ፥ ብዛዕባ'ቲ ምብራር ዝርዝር ምኽንያት ኣይሃበን።
ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድምጺ ኣሜሪካ ፥ ዳይሬክተር ኣማንዳ በነትን፥ ምኽትላ ሰንዲ ሰጋዋራን ዝሓለፈ ሰኑይ ብፍቓደን ካብ ሓላፍነተን ወሪደን`የን።
ኣብ ሰነት ኮሚቴ ዝምድናታት ወጻኢ ላዕላዋይ ደሞክራት ባብ መነንደዝ`ውን ንዘይሻራውነት ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ ዘቆናጽብ`ዩ ብምባል ንስጉምትታት ሚስተር ፓክ ነቒፉ`ሎ- ።
"ሚስተር ፓክ ኣብ ጃምላዊ ምብራር`ዩ ዘሎ-ንሓለፍቲ ፈነወታት ምብራር፥ ላዕላዋይ ቦርድታቶም ምፍራስ፥ ድሕሪኡ ብቕዓት ብዘይብሎም ፖለቲካዊ ሰባት ምትካእ፥ እዚ ድማ ንመሰረታዊ ተልእኮን ስራሕን`ቲ ትካል ዝጎድእ`ዩ" ዝበለ ስነተር መነንደዝ፥ "ሕጂ ብሩህ`ዩ ንምንታይ ዋይት ሃውስ ንፓክ ብጣዕሚ ከምዝደለዮ፥ንሱ ድማ ነቲ ትካል ንዕኦም ዝዛረበሎም ናብ ናቶም ረብሓ ክቕይርዎ ስለዝደለዩ`ዩ" ኢሉ።
ንመርበብ ፈነወ ማእከላይ ምብራቕ ዝመርሐ ኣልበርቶ ፈርናንደዝ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ግዚኡ፥ እቲ መርበብ ብዝዓመሞ ስራሕ ከምዝሕበንን፥ ምስ`ቶም ኣብ ኣሜሪካ፥ ዱባይ፥ በይሩትን ካልኦት ከባብታትን ዝርከቡ ብሉጻት ጋዜጠኛታት ብምስርሑ ክብረት ከምዝስምዖን ድሕሪ ምግላጽ፥ ሕጂ ትካላት ግሎባላዊ ሚድያ ኣሜሪካ፥ ጸብጻባት ዜና ኣብ ዙርያ ዓለም ናብ ዘለዉ ተዓዘብቲ፥ ሰማዕቲን ኣንበብትን ኣብ ምብጻሕ ዘለዎም ብድሆታት`ውን ጠቒሱ።
“ ናብ USAGM ዝመጹ ዘለዉ ሓደሽቲ ሰባት ዝገብርዎ ክፈልጡ ተስፋ እገብር፡ ለውጢ ከምጽእሉ ዝኽእሉ ግዜ ዘይህብ ኩነታት ኣብ ቅድሚኦም ኣሎ። ትማሊ`ኳ መንግስቲ ዒራቕ ኣብ ባቕዳድ፥ ባስራን ካርባላን ንዝርከብ ትራንስሚተራት ራድዮ ሳዋ ዓጽዩዎ`ሎ። ንብረት መንግስቲ ዩኤስ ንምውሳድ`ውን ኣጠንቂቑ`ሎ" ኢሉ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ።
ማይክል ፓክ ዝሓለፈ ረቡዕ ፈላማይ መልእኽቱ ናብ ሰራሕተኛታት ቪኦኤ ሰዲዱ`ሎ- ሰሙን ድሕሪ ሹመቱ ብሰነት ምስ ጸደቐሉ። ንሱ ኣብቲ መልእኽቱ፥ ነቲ ቪኦኤ ናጻ ዓለም-ለኻዊ ጋዜጠኝነት ንምብርካት ዘለዎ ሓላፍነት ከምዘኽብር ቃል ኣትዩ`ሎ- ሽሕ`ኳ እቲ ትካል ብገንዘብ መንግስቲ ዩኤስ ዝመሓደር እንተኾነ።
ፓክ ኣብ ጽሑፉ፥ " ንቻርተር ቪኦኤን ንናጽነት ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ጀጋኑ ጋዜጠኛታትን ዘለኒ ክብሪ ልዑል`ዩ" ኢሉ።
ቅድሚ 2ተ ዓመት`ዩ- ብፕረሲደንት ትራምፕ ተረቑሑ- ነቲ ቪኦኤ ዝርከቦ USAGM ክመርሕ። እንተኾነ ካብ ደሞክራት ምስ ውልቃዊ ረብሓ ብዝተሓሓዝ ተሪር ተቓውሞ ክገጥሞ ስለዝጸንሐ፥ እቲ ብሪፓብሊካን ዝምራሕ ሰነት ቅድሚ ዝሓለፈ 2ተ ሰሙን`ዩ ኣጽዲቕሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፥ ፕረሲድነት ትራምፕ ንቪኦኤ ንቻይና ብዝህቦ ሽፋን ነቒፍዎ`ዩ- ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮናቫይረስ። ብዛዕባ ሽመት ሚስተር ፓክ ምስ ተሓተተ፥ " ድምጺ ኣመሪካ ሕማቕ ኣካይዳ`ዩ ዝኸይድ ዘሎ፥ ድምጺ ኣመሪካ ኣይኮኑን- በንጻር ድምጺ ኣመሪካ`ዮም ዘለዉ ኢሉ።
ፓክ ሕጂ ብዛዕባ ትራምፕ ወይ ብዛዕባ`ቲ ዝነበረ ምስሕሓብ ኣብቲ ናብ ሰራሕተኛታት ቪኦኤ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣይጠቐሰን። ከምኡ`ውን ንመን ዲረክተር ቪኦኤ ክገብር ከምዝሓሰበ ኣየተንበሀን።
ዲረክተር ቪኦኤ ዝነበረት ኣማንዳ በነት፥ ተራር ተጣባቒት ናጻ ጋዜጠኝነት`ያ ኔራ፥ ንነቐፌታ ትራምፕ ብምንጻግ ንተልእኮን ሪፖርትታትን`ቲ ብዩኤስ ዝምወል ትካል ተጣቢቓ።
“ ነቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ፥ ሓቀኛን ተኣማንን ሓበረታ ናይ ምርካብ ዕድል ዘይብሎም ሰባት ኢና፥ ቀዳማይ ምሕዩሽ ዓንቀጽ ሕገ-መንግስቲ ንሰደሎም" ኢላ- ነቲ ናይ ምዝራብ ናጽነት ዘውሕስ ዓንቀጽ ሕገ-መንግስቲ ዩኤስ ብምጥቃስ።
"ነዚ`ዮም ድማ ካብ 60 ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት፥ ብ47 ቋንቋታት ኣብ ነመሓላልፎ መደባት፥ ካብ መንጎ 280 ሚልዮን ሰማዕትና፥ እቶም 80% ፥ ስራሕና ተኣማኒ ኮይኑ ዝረኸብዎ" ኢላ ብምውሳኽ-ኣማንዳ በነት።
ገለ ኣብ ደገ ዘለዉ ተዓዘብቲ`ውን፥ ንሚስተር ፓክ ዓቃባዊ ሰራሒ ፊልምን መሓዛ ኣማኻሪ ትራምፕ ዝነበረ ስቲፈን በነን ከም ምዃኑ መጠን፥ ናብ ትራምፕ ዝቐነነ ሽፋን ንምግባር ካብ ዋይትሃውስ ንዝመጾ ጸቕጢ ኣይከላኸልን ይኸውን ዝብል ፍርሒ`ለዎም።
ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ናይ ሰሉስ ኤዲቶርያሉ፥ " ንቪኦኤ ናብ ፕሮፓጋንዳዊ መሳርሒ ዋይት ሃውስ ንምውሳድ ዘሎ ደመና ንኹሎም ኣመሪካውያን ዘፍርሕ`ዩ-ፓለቲካዊ ጸግዖም ብዘየገድስ "ኢሉ።
ማይክል ፓክ፥ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ስርሑ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ ቦርድ ኣመሓደርቲ ፈነወ(ቢቢጂ) ብወገኖም ኣብ ፈደራል ረጂስተር ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፥ " ነብስወከፍ ብገንዘብ USAGM ዝመሓደራ መርበባት፥ ምሉእ ኤዲቶርያላዊ ናጽነት ኣለወን፥ ንሱ ድማ ኣብቲ ዝበለጸ ክውንነት ጋዜጠኝነት ዝብል ኣሰራርሕኦም ተጠቒሱ`ሎ ኢሎም።
ኣብ ማእከላይ 60ታት ዝርከብ ማይክል ፓክ፥ ቅድሚ ሎሚ`ውን ኣብ ኣህጉራውን መንግስታዊን ትካላት ሚድያ ዩኤስ፥ ብመዝነት ዋና ሓላፊ ዝሰርሐ`ዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ግን ፥ `ማኒፎልድ ፕሮዳክሽን` ዝብሃል ናይ ብሕቲ ትካል የመሓድር ከምዝነበረን፡ ኣብ ዩኤስ ኣብ PBS ማለት ኣብ Public Broadcasting Service 15 ዶክመንታሪ ፊልምታት ከም ዝዘርግሐን ንሰራሕተኛታት USAGM ነጊሩ።
"እቶም ፊልምታት`ውን ብናተይ መንገዲ ንዛንታ ኣመሪካ ዝነገርኩሎም`ዮም" ዝበለ ፓክ፥ ዶክመንታሪ ምስራሕ ዘዕግብ ስራሕ`ኳ እንተኾነ፥ ኣብዚ ኣገዳሲ ዝኾነ መላግቦ ታሪኽና ናብ ኣህጉራዊ ፈነወ ንክምለስ ህንጡይ ኔረ" ኢሉ።
“ተጻባእቲ ኣመሪካ፥ ፕሮፓጋንደኦምን ናይ ግጉይ ሓበራታ ጻዕርታቶምን ኣሐይሎም ኣለዉ፥ ናይ ባዕሎም ዝኾነ ኣዝዩ ዝተፈለየ ዓለማዊ ኣጠማምታ ሒዞም ብዕቱብ ይሰርሑ`ለዉ " ኢሉ ሓዲሽ ዋና ሓላፊ እቲ ንቪኦኤ ዝሓቁፍ ግሎባላዊ ሚድያ ዩኤስ -ማይክል ፓክ።