ጀማይካ ካብ ንግስነት ብሪጣንያ ክትወጽእ ምዃና ኣፍሊጣ

ቀዳማይ ሚኒስተር ጀማይካ ኣንድሪው ሆልነስ፡ መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ንምኽባር ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝመጸ ልዑል ዊልያምን በዓልቲ-ቤቱ ኬትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሃገሩ ካብ ኮሞን ዌልዝ ክትወጽእ ምዃና ኣመልኪቱ። እዚ ማለት ድማ ጃማይካ፡ ንባርበዶስ ስዒባ፡ ካብ ንግስትነት ብሪጣንያ እትፍንጨል ዘላ ካልኣይቲ ሃገር ክትከውን ማለት’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃማይካ ነቲ ሃንደበታዊ ዜና ኣብ ዝነገረሉ እዋን፡ ብወገን ልዑል ዊልያም ዝዀነ ግብረ-መልሲ ኣይተራእየን።

ናይ ብሪጣንያ ልዑል ዊልያም ትማሊ ኣብ ጃማይካ ተረኺቡ ብዛዕባ ሕሉፍ ባርነት`ቲ ህዝቢ ዓሚቕ ጓሂ ኣለኒ ኢሉ። ኣብቲ ንዕኡ ዝተዳለወ ድራር ዝተዛረብ ልዑል ዊልያም፡ ኣብ ጃማይካ ዝተፈጸመ ባርነት ኣፍሪቃውያን ኣብ ታሪኽና በሰላ ዝገደፈ ተርእዮ እዩ ኢሉ።

"ባርነት ጽዩፍ`ዩ ክኸውን`ውን ዘይነበሮ`ዩ" ዝበለ ልዑል ብሪጣንያ፡ ጃማይካ ምስዚ ኩሉ ስቅያታ ንመጻኢኣ ብትብዓትን ሓይልን ትቕጽሎ ኣላ ኢሉ።

ጃማይካ ኣብ 1962 ናጽነታ እንተረኸበት`ኳ ኣብ ማሕበር ሓባራዊ ሃብቲ ብሪጣንያ ተጠቒላላ'ያ ትርከብ።

ልዑል ዊልያም ትማሊ `ታ ሃገር ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ጃማይካ ምስ ንግስነት ብሪጣንያ ምትእስሳራ ክትቅጽል የብላን ዝብል ተቓውሞ ህዝቢ`ውን ተኻይዱ ኔሩ።