ድምፃዊ “ገሬ ሃሎ” ብኸመይ ይዝከር?

Your browser doesn’t support HTML5

ድምፃዊ “ገሬ ሃሎ” ብኸመይ ይዝከር?

ገሬ ሃሎ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ውሩይ ድምፃዊ ገ/እግዚኣብሄር ገ/ፃዲቕ ኣብ 66 ዓመቱ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ምዕራፉ ኣብ እዋኑ ብዜናና ጠቒስና ኔርና።

ድምፃዊ ገ/እግዚኣብሄር ባህላውን ዘመናውን ደርፍታት ዝሓዛ ልዕሊ 10 ካሴታት ኣሐቲሙ እዩ። ብፍላይ ድማ “ሃሎ እናበልኩ ስርሐይ ረሲዐዮ” ብዝብል ዜማኡ ኣዝዩ ዝፍለጥ ገ/ሄር ደርፍታቱ ናይ ባዕሎም ላዛ ዘለዎም ንህዝባዊ ዛዕባታት ዘልዕሉ እዮም ክብሉ መቕርባቱ ይገልጹ።