ድምፃዊ ዳዊት ነጋ ዓሪፉ፣ ምኽንያት ሞቱ ንምፍላጥ ምርመራ ኣስከሬን ይግበር ኣሎ

ድምፃዊ ዳዊት ነጋ

ህቡብ ድምጻዊ ዳዊት ነጋ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ትማሊ ሰንበት ዓሪፉ።

መተዓብይቱን መሳርሕቱን ዝኾኑ ኣቶ ኣዲስ ሃይለስላሰ ንድምፂ ኣሜሪካ ከም ዝገለፅዎ ንድምፃዊ ዳዊት ነጋ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ንሞት ዘብፀሖ ምኽንያት እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ምርመራ ኣስከሬን ተገይሩ ኣሎ። ውፅኢቱ ድማ ድሕሪ ወርሒ ከም ዝግለፅ ኣቶ ኣዲስ ሓቢሩ።

ዳዊት ነጋ ካብ ብቖልዕኡ ፍቕሪ ሙዚቃ ከም ዝሓደሮን ክራር ብምፅዋት ከም ዝጀመረን ፈለጥቱ ይሕብሩ። ፈለማ ኣብ ጉጅለ ሙዚቃ ሰርከስ ትግራይ ዝተፀንበረ ዳዊት፡ ኣብኡ ግን ከም ሙዚቀኛ ዘይኰነስ ሳዕሳዒን ወቓዕ ከበሮን’ዩ ጀሚሩ።

እንተኾነ፡ ኣብ ሙዚቃ ዝነበሮ ዝምባለ ብምቕፃል ውልቃዊ ፃዕሩ ብምውሳኽን ክሳብ ዕለተ ሞቱ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ንፅል ደርፍታት ኣበርኪቱ።

ኣብ 1979 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወልደ ዳዊት፡ ስድራቤቱ ብንእሽቶኡ ብምሟቶም ምስ ቤተ ዘመድ ተፀጊዑ ከም ዝዓበየን ገና ብቖልዕኡ ነብሱ ኣብ ምእላይ ከም ዝነጠፈን መተዓብይቱ ይዛረቡ።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቖልዓን ዝነበረ ዳዊት ነጋ፡ ሕዚ'ውን ገና ኣብ ዕዳጋ ዘይወዓሉ ስራሕቲ ሙዚቃ ኣብ ስቱድዮ ከምዘለውዎ መሳርሕቱ ተዛሪቦም። ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስነጥበበኛ ዳዊት ነጋ ፅባሕ ሰሉስ ከም ዝፍፀም ተፈሊጡ ኣሎ።