ድምጺ ኤርትራዊያን ካብ ዩክሬን

Your browser doesn’t support HTML5

ድምጺ ኤርትራዊያን ካብ ዩክሬን

ድሕሪ ኣብ መንጎ ዩክሬን ሩስያን ዝጸንሐ ውጥረት ናብ ኲናት ምቕያሩን ወታሃደራት ሩስያ ናብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ የምርሑ ምህላዎም ነበርቲ ከተማ ኪየቭ ብፍላይ ብሓፈሻ ድማ ነበርቲ ዩክሬን ንሃገሮም ገዲፎም ብብዝሒ ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን ንትምህርቲ ናብ ዩክሬን ዝኣተው ብዝተፈላለየ ምክንያት ትምህቶም ክቕጽሉ ዘይከአሉ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ንዝሓለፈ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ሕጂ ድማ እቲ ዝርከብዎ ቦታ ንድሕነቶም ኣስጋኢ ምዃኑ ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ክልተ መዓስከራት ዝነበሩ ከምዝተለቑ ንሶም ዝርከብዎም ኣስታት 120 ሰባት ዝሓዘ መዓስከር ግን ከምዘይተለቑ ይሕብሩ።

ብተወሳኺ እቲ ከባቢ ብዝሒ ወታሃደራዊ መካይንን ወታሃደራትን ምንቅስቃስ ይረኣየሉ ብምህላው ንድሕነቶም ከምዝሰግኡ ይገልጹ

ኣብ ዩክሬን ተማሃራይ ዝነበረ ትምህርቱ ክቕጽል ብዘይምክኣሉ ናብ ሮማንያ ኣብ ዘምርሓሉ ተታሒዙ ናብ ዩክሬን ዝተመልሰን ሕጂ ኣብቲ መዓስከር ዝርከብ ኤርትራዊ ነቲ ኩነታትን ስግኣቶም ይገልጽ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሞስኮ ኩነታት ኤርትራዊያን ኣብ ዩክሬን ኣብ ምክትታልን ምጽራይን ከምዘሎ ብምጥቃስ ጽጹይ ሓበረታ ኣብ ቀጻሊ ከምዝህብ ሓቢሩ'ሎ።