ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ’ዚ ቀረባ ዘቃልሕዎ ነቃፊ ርእይቶ ‘ኣንጻር ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ፣ ኣሜሪካ ትምውሎ ፈነወ ዜና ማለት ብኣሜሪካ ተቀባልነት ዝረክብ’ዩ ማለት ኣይኮነን’ ክብል ድምጺ ኣሜሪካ መልሲ ሂቡ'ሎ።
ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ውሳነ ንዝህቡ ሓለፍቲ ድምጺ ኣሜሪካ ዜናታት ቀዲምካ ምፍናው ኣዝዩ ዝተፈለየን ኣዝዩ ኣገዳሲን ነገር’ዩ።
ን2977 ኣሜሪካዊያን ዝቀተለን ኣዝዩም ብርክት ዝበሉ ካልኦት ዘቁሰለን ሸበራዊ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ምስ ተፈጸመ ድሕሪ 10 መዓልታት፣ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ኦሳማ ቢን ላደንን ዕቁባ ዋሃባይን መራሒን ሙላህ ኦማር ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ፓሽቱ ቃለ መጠይቅ ገይሩ ነይሩ።
ሽዑ ተጠባባቂት ዳይረክተር ድምጺ ኣሜሪካ ዝነበራ ሚይርና ዊትዎርዝ፣ ንክልተ ጋዜጠኛታት መዲበን ነቲ ኣብ ሕቡእ ዝነበረን ንመጥቃዕቲ 11 መስከረም ዝመርሐ ቢን ላደን ኣብ አፍጋኒስታን ንክኣቱ ዝፈቀደሉን መራሒ ጣሊባን ቃለ ምልልስ ንክገብርሉ ምቅርራባት ገይረን እየን።
እንተኾነ ምምሕዳር ቡሽ፣ ድምጺ ኣሜሪካ ነቲ ቃለ ምልልስ ንምክያድ ምቅርራባት ከምዝፈጸመ ሓበሬታ በጽሕዎ። ዳይረክተር ድምጺ ኣሜሪካ ዊዝዎርዝ ካብ ቤት ዕዮ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ናይ ቴለፎን መጸዋዕታ በጺሑወን፣ ኣብ’ቲ ካልእ ጫፍ ዝነበረ ባዓል ስልጣን ‘ቃል ምልልስ ሙላህ ኦማር እንተሕሊፍኩሞ ፖለቲካዊ ርእሰ ቅትለት ማዕረ ምፍጻም ማለት’ዩ’ በለን።
ምምሕዳር ቡሽ ‘ዋላ’ውን ናይ ድምጺ ኣሜሪካ መሰል ምፍናው ጭቡጥ ሓበሬታ ዘኽብር እንተኾነ ’ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ‘ድምጺ ኣሜሪካ ንጸላኢ ከጸናንዕ ይኽእል እዩ ኢሉ ንዝገመቶ ነገር ንክፍጽም ኣይደለዩን ነይሮም’ ይብል ኣብ እዋን ምምሕዳር ቡሽ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ዝነበረ ሪቸርድ ባውቸር።
ብመንግስቲ ዝምወል ድምጺ ኣሜሪካ፣ ዓለምለኻዊ ምንጪ ዜና፣ ኣብ ልዕሊ 40 ሃገራት ናብ ዝርከቡ ኣስታት 280 ሚልዮን ሰማዕቲ መዓልታዊ ዜና ይፍኑ። ምስረታ ታሪኹ ናብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እዩ ዝወስደና። ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ‘ዘይሸራዊን ዝተማለአን ሓበሬታ ንክፍኑ’ ወጢኑ’ዩ ንድምጺ ኣሜሪካ መስሪቱ።
ይኹን’ምበር ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት (ዋይት ሃውስን) ድምጺ ኣሜሪካን ንዘበናት ዝቀጸለ ውጥረት ጸኒሑ ኣሎ። ብዝዓዘዘ መልክዑ፣ ድምጺ ኣሜሪካ ሓውሲ ነጻን ስግር እንተበለ ድማ ብርቱዕን ኣካል ቢሮክርሲ ፌደራላዊ መንግስቲ ኮይኑ ስለዝቀጸለ እዩ።
ዝሓለፈ ወርሒ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ’ውን ከም’ቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ፕረዚደንታት አብ ልዕሊ አጸባጽባ ዜና ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቆይቂ ጀሚሮም ኣለው። ግን ልዕሊ ትጽቢት ጽቅጢን ቅንዕናን ዝተሓወሶን እዩ።
“ካብ ድምጺ ሬድዮ ኣሜሪካ ዝቃላሕ ዘሎ ዘሕፍር’ዩ። እቲ ዝዛረብዎ ነገር ንሃገርና ዘሕፍር’ዩ” በሉ ትራምፕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዋይት ሃውስ ሮዝ ጋርደን ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ።
መረረት ትራምፕ ክልተ ገጽ ኣለዎ። ቀዳማይ፣ ድምጺ ኣሜሪካ ነቲ በዝሒ ብኮሮና ቫይረስ ኣብ ቻይና ክጽብጽብ ከሎ ንጽፉፍ ዘይኮነ ሓበሬታ መንግስቲ ቻይና እዩ ተጠቂሙ ዝብል ክኾን ከሎ፣ እዚ መግለጺ’ዚ ብድምጺ ኣሜሪካ ብጽኑዕ እዩ ተነጺጉ።
እቲ ካልኣይ መረረት ትራምፕ፣ ንሶም ዝመዘዝዎምን ንድምጺ ኣሜሪካ ዝቆጻጸርን ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለኻዊ ሚድያ ሓላፊ ብሴነት ኣሜሪካ ተቀባልነት ክረክብ ዘይምኽኣሉ ስለዝተቆጥዑ እዩ።
ቅድሚኡ ግና ‘እቶም መንግስቲ ዝውንኖም ሚድያታት፣ነቲ ባዕሎምን ደገፍቶምን ዝቅበልዎ አተሓሳስባ ከንጸባርቁ ኣይካአሉን’ ኢሎም ኣማሪሮም ነይሮም እዮም ትራምፕ። ዝሓለፈ ሕዳር ድማ ‘ትራምፕ ነቲ ካብ ቴለቭዥን CNN ይቃላሕ ኣሎ ዝብልዎ ‘ዘይርትዓዊን መደናገሪን’ ዝብልዎ ዜና ንምብዳህን ዓለም እዛ ሃገር’ዚኣ ክሳዕ ክንደይ ‘ዓባይ ምኻና’ ንክፈልጡ ክሕግዝ እዩ ኢሎም ዝኣመንሉን መንግስቲ ዝውንኖ ዓለምለኻዊ ትካል ሚድያ ንክምስረት ሓሳብ ኣቅሪቦም ነይሮም።
እንተኾነ፣ ቃለ ምልልስ ሙላህ ዖመርን ካልኦት ኣብነታትን ከምዝሕብርዎ፣ ትራምፕ በይኖም ኣይኮኑን ንድምጺ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ዝነቅፉ። እቲ ምኽንያት፣ ዋይት ሃውስ ዝመዞም ሰበ ስልጣን ንድምጺ ኣሜሪካ ስለዝመርሑን እዚ ትካል’ዚ ዝሽፍኖም ዜናታት ብሕጊ ‘ዘይሻራዊ’ ክኾን ኣለዎ ስለዝብልን’ዩ።
ዋይት ሃውስን ሚኒስትሪ ወጻኢ ኣሜሪካን ነቲ ካብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝቀረበሎምን ርእይቶ ፕረዚደንት ትራምፕን ኣብ ጋዜጣ ዋይት ሃውስ ዝወጸ ነቃፊ ጽሑፍን ተወሳኺ መብርሂ ሃብሉ ዝብል ሕቶ ኣይተቀበልዎን። እታ ጋዜጣ ‘ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ግዳይ ፕሮፓጋንዳ ቻይና ኮይኑ’ዩ’ እዩ ዝብል።
ዳይረክተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣማንዳ ቤነት ነቲ ክሲ ነጺገነኦ ከምኡውን እቲ ትካል ‘ጭቡጥን ንናይ ዝኾነ ወገን መልእኽቲ መጋውሒ ከምዘይኾን’ ጠቂሰን።
ብመሰረት ተሓላቂ ጉጅለታት ሚድያ ዝኾነ ኮሚቴ ሪፖርተራት ዝሃቦ መግለጺ ድምጺ ኣሜሪካ ንምድንጋራት ቻይና ዕስራ ጊዜ ኣፍሺሉ ኣሎ’።
ናብ ታሪኽ ንድሕሪት ክንመልሰኩም። ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ 1942 ዓ.ም ዝተመስረተ ንፕሮፓጋንዳ ናዚ ጀርመን ንምምካትን ከምኡ’ውን ጭቡጥ ዜና ንምቅላሕን ነበረ። እንተኾነ ናይ ድምጺ ኣሜሪካ ሪፖርት ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣቀዲሙ ክጸድቅ ኣለዎ ዝብል እምነት ነይሩ።
‘ኣብ እዋን ምምሕዳር ኬነዲ ኣብ 1962 ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳዊያን ዝተፈጠረ ቅልውላው ሚሳይል ኣብ ኩባ፣ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኮይኑ እዩ ይነጥፍ ነይሩ’ ይብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ዝሰርሕን ነታ ‘ዝሑል ኹናትን ትካል ሓበሬታ ኣሜሪካ’ ንዘርእስታ መጽሓፍ ዝሰነደ ኒኮላስ ከል።
“ካብ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝመደቦ ትካል ሓበሬታ ኣሜሪካ ናብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝላአኽ ሰብ ነይሩ፣ እቲ ሰብ’ቲ ንነፍሲ ወከፍ ጽሑፍ ብድምጺ ኣሜሪካ ዝቃላሕ ከሕልፎ ግድን ነበረ’ ይብል ።
ፕረዚደንት ሪቸርድ ኒክሰን ብሰንኪ ‘ዋተር ጌት ስካንዳል፣ ቅልውላው ኣብ ዋተር ጌት’ ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ከለው እቲ ዝጸንሐ አሰራርሓ በርዒኑ። ኒኮለስ ከል ክዛረብ ከሎ ‘ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ንቅልውላው ዋተር ጌት ክሽፍኑ ከለው ዝተማለአ ሓበሬታ ንምሃብ ክመርጹ ከለው፣ ሰበ ስልጣን ግና ተቃራኒን ኣዎንታዊን ጸብጻብ ጥራሕ ንክቃላሕ ድልየት ከምዝነበሮም’ ጠቀሰ።
ጋዜጠኛታት ‘ኩነታት ዋተር ጌት፣ መምሃሪ ሲቪክስ ንክኾን ድልየቶም ነይሩ። ከሕልፍዎ ዝመረጹ መልእኽቲ፣ ጌጋ ክፍጽም ዘይኽእል ፕረዚደንት ክህሉ ኣለዎ ኣብ ዝብል ዘይኮነስ ነቲ ዝተፈጸመ ኣበር ብሕጋዊ መስርሕ ዝእርም ኮንግረስ ክህሉ ይግባእ’ ዝብል ነበረ።
ኣብ መወዳእትኡ፣ ዝዓርቅ ነገር ተኸሲቱ። ብዛዕባ ፕረዚደንት ዝኾነ ኣሉታዊ ዜና ምስ ዝቃላሕ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ብዛዕባ’ቲ ፕረዚደንት ካልእ ኣዎንታዊ ዜና ማዕረ ማዕሪኡ ክቃላሕ ኣለዎ’ ዝብል ዜና ንክፍኖ።
“እዚ ውዕል’ዚ ስጊንጢር እዩ ነይሩ” ዝበለ ኒኮለስ ከል “ኣብ ሓደ ክፍለ ጊዜ ዜና ብሓደ ወገን ‘ፕረዚደንት ኒክሰን ኣብ ቅልውላው ዋተር ጌት ተሓባባራይ ነይሩ ተባሂሉ’ ክብሉ ከለው ‘ኣብ ተመሳሳሊ ክፍለ ጊዜ ዜና ‘ባዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ወ/ሮ ኒክሰን፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንቤ/ትምህርቲ ህጻናት መሪቀን ከፊተን’ ዝብል ዜና ይቃላሕ ነይሩ” ይብል።
ካብ 1976 ንድሓር ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ስግር-ማዕዶ ተኣማንነቱ ንምርግግጋጽ፥ ኮንግረስን ሓለፍቲ ድምጺ ኣሜሪካን ሓደ ንጹር ኤዲቶሪያል መምርሒ ክህልዎም ወሲኖም ኮንግረስ ድማ ቻርተር ነዲፉ። እቲ ቻርተር፥ ቪኦኤ ትኽክለኛ ዜና ከውጽእ፥ ንኩሉ ሓብረተ-ሰብ ኣመሪካ ዝውክል ትሕዝቶ ከፍሪ፥ ከምኡ`ድማ ኣብ ፖሊሲታት ዩኤስ ንጹር መብርህታትን ምይይጥን ከቕርብ ዝብል`ዩ።
ድሕሪኡ ኣብ 1994 ን ኣብ 2016 ኣብ ዝወጸ ሕጊ ድማ፥ ኤዲቶሪያል ኣሰራርሓ`ቲ ትካል ተወሳኺ መምርሕታት ሕጊ ተደሪብዎ`ዩ። ንሱ ድማ ንጋዜጠኛታት ካብ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ዝከላኸለሎምን እቲ ትካል ፖሊሲያዊ ዕላማታት ዩናይትድ ስቴትስ ግምት ዘእተወ ኾይኑ ዝልዓለ ሞያዊ መዐቀኒታት ፈነወ ጋዜጠኝነት ከኽብር ይጽውዕ።
ሪቻርድ ስተንገል ዋና ኣሰናዳኢ ታይም መጽሔትን፥ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኦባማ ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ምኽትል ሚንስተር ንህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝነበረን`ዩ። ንሱ እዚ ናጽነት`ዚ`ዩ ንድምጺ ኣሜሪካ ካብ ካልኦት ገለ ተወዳደርቱ ዝፈልዮ ይብል።
"ድምጺ ኣሜሪካ ከምቲ ኣብተን መለኽቲ ስርዓታት መንግስታዊ ተለቪዥን ንዕላማታት ፖሊሲ ወጻእን መምርሕታት `ተን ሃገራት ዘንጸባርቓሉ ኣይኮነን። ቪኦኤ ከምኤን ዓይነት መንግስታዊ ትካል ኣይኮነን። ከምቲ ሰሜን ኮርያ ወይ ቻይና ወይ ኩባ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝገብርኦ ኣይኮነን" ይብል ስተንገል።
ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ርትዓዊ ዜና ክፍንዉ ዝጥለቡ`ኳ እንተኾኑ፥ እቲ ትካል ግን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ፈጻሚ ኣካል ዩናይትድ ስቴትስ`ዩ። ንዋና ሓላፊ`ቲ ቪኦኤ ዝርከቦ ትካል ዓለማዊ ሚድያ ዩኤስ ዝስይም እቲ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ዩኤስ`ዩ።
USAGM ማለት ዓለማዊ ሚድያ ዩኤስ፥ ናብተን ፕረስ ዝድረተለን ሃገራት ዓለምና ዝፍንዋ፥ 5ተ፥ ብፈደራል መንግስቲ ገንዘብ ዝምደበለን መዲያታት ይቆጻጸር።ዋና ሓላፊኡ ድማ ምስ ካልኦት ዘይ-ወገናዊ ሓለፍቲ ሚድያ ዝሓዘ ቦርድን ክኢላታት ኣህጉራዊ ጉዳያትን ብሓባር ኮይኑ፥ ንሓለፍቲ`ተን 5ተ ጨንፈራት ይሾሙ-ካብ መንጎኦም ሓደ ቪኦኤ`ዩ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ 2018 ንኣፍራይ ዓቃባዊ ፊልሚን ሓላፊ ሚድያን ንማይክል ፓክ ነቲ ቪኦኤ ዝርከቦ ትካል ዓለማዊ ሚድያ ዩኤስ ክመርሕ መዚዝዎ።
ደሞክራቲክ ሰነተር ቦብ መነንደዝ ካብ ነው ጀርሲ፥ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ፓክ ብዛዕባ ዝሓለፈ ኣብ ንግዱ ጌርዎ ዝብሃል ውልቀ-ረብሓ፥ ሕሉፍ ናይ ክፍሊት ግብሪ፥ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ስርሑ ክወጽእ ከሎ ዝብሃለሉ ኣሉታዊ ነገራት መልሲ ክህብ ክሕተት ኣለዎ ኢሉ።
ሓንቲ ወሃቢት ቃል ሚስተር ፓክ፥ንቪኦኤ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ፓክ ብምኽንያት ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ሹመት ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን`ዩ ኢላ።
ክሊፎርድ መይ፥ ሓላፊ ምክልኻል ደሞክራሲ ዝተባህለ ትካል፥ ትራምፕ ንቪኦኤ ምንቃፉ እቲ ዝሰየሞ ሰብ ስለዘይጸደቐሉ ዘሰዓቦ ምውዳእ ትዕግስቲ`ዩ ይብል።
ክሊፎርድ መይ፥ ንዲረክተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣማንዳ በነት ምስ ምምሕዳር ዲሞክራቲክ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ከም ዝጸንሐትን ንፖሊሲታት ወጻኢ ምምሕዳር ትራምፕ ብግቡእ ክትገልጽ ከምዘይክኣለትን ኮይና ከም ዝተራእየት ይገልጻ።
"እዚ ድማ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ክግለጽ ኣለዎ። ኣብኡ እንተዘይኮይኑ ደኣ ኣበይ? እዚ ማለት ርእይቶ ከይውሃቦ ወይ እቲ ፕረሲደንት ክንቀፍ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኩሎም እዚኣቶም ብሓንሳብ ብሚዛናውነት ክቐርቡ ይኽእሉ`ዮም። ነዚ ንምግባር ንፉዓት ጋዜጠኛታት ይሓትት፥ እዚ ምምሕዳር በቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ብግቡእ ኣይተገለጽናን ዝብል ሓሳብ ከምዘለዎ ንጹር`ዩ" ይብል።
ሓላፊት ብሉምበርግ ኒውስ ከምኡ`ውን ዋና ኣሰናዳኢት ፊላደልፊያ ኢንኳረር ዝነበረት ኣማንዳ በነት፥ ኣብ 2016 ዲረክተር ድምጺ ኣሜሪካ ኮይና ተሸይማ ክሳብ ሎሚ ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ`ውን ቀጺላ`ላ።
ኣብ 2001 ምስ ሙላህ ዖማር ዝተገብረ ቃለ-መጠቕ ምስሕሓብ ድሕሪ ምስዓቡ፥ ልዕሊ 100 ጋዜጠኛታት ቪኦኤ እቲ ትካል ንጸቕጢ ከይጽዓድ ዝጽውዕ ፐቲሽን ብምፍራም ድምጾም ኣስሚዖም`ዮም። ቪኦኤ ትሕዝቶታት ቃለ-መጠይቕ ምስ ሙላሕ ዖማር ድሕሪ ምፍናዉ፥ ምፍናው`ቲ ቃል-መጠይቕ ቅኑዕ ምዃኑ ዝገልጽ ንነቐፍቲ መግለጺ`ውን ዘርጊሑ። " ህዝቢ ኣፍጋኒስታን እዝኖም ናባና ጽን ዝብሉ ዘለዉ ስለዝኣመኑና`ዮም- ነቲ ምሉእ ዛንታ ድማ ክንነግሮም ኢና" ይብል እቲ መግለጺ።
ኣብ ብራውን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፈሰር ፖሊሲ ወጻኢ ሚ/ር ቦውቸር፥ ድሕሪኡ ክልቲኦም ወገናት ካብ`ቲ ምስሕሓብ ወጺኦም`ዮም ይብል። እንተኾነ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ድሕሪ`ቲ ቃለ-መጠይቕ፥ ዲረክተር ቪኦኤ ዝነበረት ዋይት ወርዝ ካብ ተተካኢት ድረክተር ቪኦኤ ሓላፍነታ ወሪዳ-ብዋይት ሃውስ ዝተሰየመ ሮበርት ረይሊ ተተኪኣ።
ንሳ " እቲ ጸቕጢ ቀጥታዊ ኣይነበረን፥ ግን ኣብ ኤዲቶርያል ውሳነ ዝኾነ ተራ ከምዘይህልወኒ`ዮም ጌሮም" ትብል። ፖለቲካዊ ሹመኛ ዘይኮነትስ ኣብቲ ትካል ነባር ጋዜጠኛ ዝነበረት ዋይትዎርዝ፥ ኣብ መወዳእትኡ ባዕላ ጡረታ ክትወጽእ ወሲና።
ኣብ ዩኤስ ዝርአ ፖለቲካዊ ፍልልያት፥ ከም ፕረሲደንታዊ ክሲ ምውራድ ስልጣንን ኩናትን ዝበለ ነገራት ንቪኦኤ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ከእትዎ ይኽእል`ዩ ዝበለት ምስ ፍሪዶም ፎረም ትሰርሕ ላታ ኖት፥ ግን ከኣ እቲ ትካል ፈነወ ምስ ሰማዕቱ ተኣማንነት ዝሃንጸሉ ኣብ ከምኡ ዝበለ እዋን`ዩ ትብል።
"ብፈደራል ገንዘብ ዝምደበሎም ትካላት መዲያ ብመንግስቲ ዝዝወሩ ማለት ኣይኮነን- ናጽነት ኣዝዩ ኣገዳሲ`ዩ" ትብል ላታ ኖት።
" ነዚ ገንዘብ ንኸፍል ስለዘለና ናትና ዝበለጸ ወረ ክንገረልና ኣለዎ ምባል ናይ መንግስታት ባህሪይ`ዩ ይብል ፕሮፈሰር ዩኒቨሪሲቲ ሳውዝ ካሮላይና ሚስተር ኩል።
ነዚ ንድሕሪት ደፊእካ ስነ-ምግባር ጋዜጠኛታት ንክልቲኦም ወገናት ምቕራብን ተኣማንን ኣድማዕን ምዃንን ድማ ናይ ጋዜጠኛታት ስራሕ`ዩ ይብል ኣስዒቡ።
ኣብ 1942 ኣንጻር `ናዚ ፕሮፓጋንዳ` ካብ ዝምስረት ንድሓር፥ ሽሕኳ ንኤዲቶርያል ናጽነት ቪኦኤ ዝከላከል ቀጻሊ ሕግታት እንተወጽአ፥ እቲ ትካል ናጽነቱ ንምሕላው ናይ ባዕሉ ኩናት ተዋጊኡ`ዩ።፥
ዝቕጽል ኣብነታት ንርአ፥
ኣብ መጀምርያ 60`ታት ቪኦኤ ብዘይካ ፍቓድ ኣብቲ እዋን ብላዕሊ ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ትካል ኢንፎርመሽን ዩኤስ / USIA / ብዛዕባ ቅልውላው ሚሳይል ኩባ ክፍኑ ኣይክእልን`ዩ ኔሩ።
- ኣብ 1974 ናብ ምውራድ ፕረሲደንት ሪቻርድ ኒክሰን ዘምርሐ ብልሽውና ዋተርገይት፥ቪኦኤ ክሽፍኖ ከሎ ምስ`ቶም ዝያዳ ኣወንታዊ ዜና ዝደለዩ ሰበ-ስልጣን USIA ተጋጭዩ`ዩ። ድሕሪኡ ኣብ ነብስወከፍ ብዛዕባ ኒክሰን ኣሉታዊ ወረ ክቐርብ ከሎ ኣወንታዊ ወረ `ውን ክቐርብ
- ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
- ኣብ እዋን ምምሕዳር ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ድማ፥ USIA ቪኦኤ ምስ ፋንግ ሊዚ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ከየሕልፎ ክእግዶ ፈቲኑ-እቲ ቻይናዊ ተቓዋሚ ኣብ 1990 ናብ ኣመሪካ ድሕሪ ምምጽኡ። ፋንግ ኣብ በይጂንግ ኣብ ኢምባሲ ኣመሪካ ተዓቑቡ ዝነበረ ክኸውን ከሎ ከም ኣካል ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝተገብረ ውዕል፡ ዋሺንግተን ንናቱ ዛንታ ከይትምዝምዞ ዝብል`ዩ ኔሩ።
- ኣብ 1997`ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ኣጋጢሙ ኔሩ፥ ምምሕዳር ክሊንተን ንምፍታሕ `ወይ ጂንግሸንግ` ድሕሪ ምሕጋዙ ምስኡ ዝግበር ቃል-መጠይቕ ከይሓልፍ ክኽልክል ፈቲኑ- ንምፍታሕ ካልኦት ተቓወምቲ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል`ዩ ካብ ዝብል ስግኣት።
- ሰሙናት ድሕሪ ሽበራዊ መጥቃዕቲ መስከረም 11 ድማ፥ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ቡሽ ዝነበረ ሚንስትሪ ወጻኢ፥ምስቲ ንዖሰማ ቢን ላዲን ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣዕቑብዎ ዝነበረ መራሒ ጣሊባን ሙላሕ ዑማር ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ንከይሓልፍ ክኽልክል ፈቲኑ።
- "ተራ ቪኦኤ ድሕሪ 911" ዝብል ምይይጣት ቪኦኤ ብምድላው ድማ ሓደ ክፋል ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ከምዝፍኖ ጌሩ።
- ገለ-ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ኦባማ`ውን እቲ ቪኦኤ ዘሕልፎ ዘሎ ጸብጻባት ነቲ ዩኤስ ኣንጻር ጎንጻዊ ጽንፋውነት ዘለዎ ቀዳምነት ፖሊሲ ወጻኢ ፥ኣየንጸባረቐን፥ ዝብል ስክፋታት ኣስሚዖም ኔሮም`ዮም።