ድሕሪ ዕጽዋ ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ኣመንቲ እስልምና ኢፍጣር ብሓባር የካይዱ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ ዕጽዋ ንምክልኻል ቫይረስኮሮና ኣመንቲ እስልምና ኢፍጣር ብሓባር የካይዱ

ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና፥ ለበዳ ኮቪድ19 ካብ ዝጅምር፡ ጾም ሮሞዳን ከኽብሩ ንሳልሳይ ግዜኦም`ዩ።

ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንመጀመርያ ጊዜ ብዘይ ዝኾነ ደረት፡ ጸሎቶምን ጾሞምን ብሓባር ተኣኪቦም ከካይዱ ክኢሎም ኣለዉ።

ጾም ሮመዳን ንኣመንቲ እስልምና ኩሉ ግዜ ሓባራዊ ውራይ ኮይኑ`ዩ ጸኒሑ። እዚ ዓመት`ዚ ድማ፡ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ19 ንመጀመርያ ግዜ ብምልኣት ተኣኪቦም ጾሞም ከፍጥሩ ክኢሎም ኣለዉ።

ኣብዚ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ኢማም ዝተባህለ ማእከል ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኢፍጣር፡ ኣወሃሃድቲ`ቲ በዓል፡ ንኣመንቲ እኹል መግብን ዝስተን ምህላዉ ከረጋግጹ ላዕልን ታሕትን ይብሉ።

ኢታ ራይሞንድ ሓንቲ ካብ ኣወሃሃድቲ`ያ።

እዛ ኣዋሃሃዲት ኢፍጣር"እቲ ዝኸበደ ክፋል ስራሕና፡ ክንደይ ዝኾኑ ሰባት ከምዘለዉና ምግማት`ዩ። ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዝነበረ ደረት ኮቪድ19 ፡ቁጽሪ`ቶም ብሓባር ዘፍጥሩ ሰባት ውሱን`ዩ ኔሩ።ሎሚ ንኢፍጣርን ሓባራዊ ስግዳናን ክሳብ ዝደለናዮ ብዝሒ ሰባት ክንቅበል ክኢልና ኣለና። ብጣዕሚ መሳጢ`ዩ" ትብል ።

ቅድሚ`ቲ ለበዳ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ኢፍጣር፡ ምሉእ ወርሒ መዓልታዊ`ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ግን እቲ መስጊድ ኢማም፡ ዓርቢ ቀዳምን ሰንበትን ጥራሕ`ዩ ተቐቢሉ ብሓባር ዘፍጥር ዘሎ።

እቲ ጸሎት ግን ምሸታዊ`ዩ፡ እዚ ድማ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ብኦንላይን ዝግበር ዝነበረ፡ ንመጀመርያ ግዜኦም`ዮም ብሓባር ተኣኪቦም ክሰግዱ።

ናቢል ሲራኑቢ ካብ ሰጋድያን መስጊድ ማእከል ኢማም`ዩ፡"ኩሉ ሰብ ናብዚ ብኣካል መጺኡ ብሓባር ጾሙ ክፈትሕ ምርኣይ ኣዝዩ ደስ ዘብል`ዩ" ይብል።

ካልእ ኢዝራ ታውሂድ ዝተባህለ ድማ፡ ለበዳ ኮቪድ19 ካብ ከምዚ ዝበለ ሓባራዊ ጸሎት`ዩ ኣጊዱና ጸኒሑ ይብል።

እቲ ኢማም ማእከል ብኢንዶነዥያውያን ዝተመስረተ`ኳ እንተኾነ፡ ንኹሎም ኣመንቲ ምስልምና ክፉት`ዩ።

ሳውሂር ዝተባህለ ሶርያዊ ኣመሪካዊ፡ ብዛዕባ`ቲ ኢፍጣር ርእይትኡ ክህብ ከሎ፡ ኣብዚ በብዓይነቱ መግብታት ይርኢ ኣለኹ፡ ምስ ናይ ሶርያ ሃገረይ`ውን ተመሳሳልነት ኣለዎ ይብል፡፡

ሮመዳን፡ ንኣመንቲ እስልምና እዋን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ`ውን`ዩ። እቲ መስጊድ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ19 ዘተኣታተዎ ናይ ኦንላይን ኣገባብ ትምህርቲ ኣብዚ እዋን`ዚ`ውን ቀጺልዎ ይርከብ።

መብዛሕቲኦም ኢንዶነዥያውያን ነቲ `ቤት ምኽሪ ፊቕ ሰሜን ኣመሪካ` ዝተባህለ ምምሕዳር`ዮም ዝኽተሉ።

ብእኡ መሰረት ድማ፡ ጾም ሮመዳን ዝሓለፈ ሚያዝያ ክልተ ዝጀመሩ ክኾኑ ኸለዉ፡ ባሕቲ ግንቦት ድማ ዒድ ኣል-ፈጢር፡ ማለት ምዝዛም ጾም ወርሒ ሮሞዳን ክኸውን ትጽቢት ይገብሩ።