▶ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ትካላት ንግዲ ክልል ትግራይ ትስፉዎ ምንቅስቓስ ይገብሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ክልል ትግራይ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክኽፈት ስለ ዝጀመረ፡ ሰብ-ዋኒን ትስፉዎ ምንቅስቓስ ንግዲ የርእዩ ከም ዘለዉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣካፊሎም። እቶም ርእይቶ ዝሃቡ ነጋዶ፡ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምኽፋት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቀጻልነት ክህሉዎ’ውን ተተስፍዮም ኣለዉ።