ኣብዘን ዝሓለፋ 2-3 መዓልታት ኣስመራ- ሰንዓፈ-ዛላንበሳ መስመር ፣ ካብ ወትሮ ብዝተፈለየ ብብዝሒ ተሽከርከርትን ሰባትን ኣዕለቕሊቑ ይርከብ።ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2011 ኢትዮጵያ ፣ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀ/ሚ ኢትዮጵያን ነበርቲ ወከልቲ ክልቲኡ ህዝብታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ንኤርትራን- ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ኣስመራ-ዛላንበሳ- ትግራይ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ ካብን ናብን ኣስመራ -ዓዲ ግራት-መቐለ ናይ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ታርጋ ዘለዎም ተሽከርከርቲ ብብዝሒ ክንቀሳቐሳ ጀሚረን ኣለዋ።
ካብ ኤርትራ'ውን ናይ ኤርትራ ታርጋ ዘለወን መካይን ብተመሳሳሊ ናብ ትግራይ ጉዕዞ ጀሚረን ኣለዋ።ናይ ትግራይን ኣዲስስ ኣበባ ታርጋ ዘለወን ጣፍን ስሚንቶን ዝጸዓና ዓበይትን ማእከሎትን ናይ ጽዕነት መካይንኣብ ብሎኮ ጎዳይፍ ጽዕነተን ብምርጋፍ ፣ንኩንታል ጣፍ 3500 ናቕፋ፣ንኩንታል ስሚንቶ ከኣ ብ600 ናቅፋ ኣብ ምሻጥ ይርከባ።
ናይ ክልቲኡ ሃገራት ተጓዕዝቲ ብወገኖም ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዝነበረ ዘይምስምማዕ ብሰላማዊ መንገዲ ተፈቲሑ ድሮ ህዝቢ ካብን ናብን ክመላለሰን ክራከብን ብምጅማሩ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም'ዮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5