መቐለ —
ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ንዝሓለፉ ን18 ዓመታት መሰረቱ ኣብ ኤርትራ ብምግባር ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይድ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ለውጢ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ብዝብል ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ይዝከር::
ነዚ ስዒቡ ደምህት ንገዛእ ርእሱ ኣቅሂሙ ምስ ህውሓት ክሰርሕ ምውሳኑ ኣፍሊጡ’ሎ።መንግስቲ ክልል ትግራይ ንውሳነ ዴምህት ንኢዱ’ሎ::
ንኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ መኮነን ተስፋይ ንምንታይ ምስ ህወሓት ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝወሰኑ፡ ብቐፃሊ ብከመይ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ፡ ዕጫ ኣባላቱ እንታይ እዩ ዝብሉን ካልኦት ሕቶታት ብምልዓል ወኪልና ካብ ከተማ መቐለ ቃለመጠይቅ ኣካይዱ ኣሎ:: ምላሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን ተጠቓሊሉ’ሎ።
Your browser doesn’t support HTML5