ኣስመራ —
ጽገረዳ ደብሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ናይ ኢድ ስንክልና ዘለዋ ኤርትራዊት መንአሰይ’ያ።
መንእሰይ ጽገረዳ ንስንክልና በዲሃ ኣብ ትምህርታን ሂወታን ዕውቲ ኮይና ክተውጽእ ዝኸኣለት ኣብነት ናይ ጻዕርን ዓወትን ‘ያ።ናይ ስድራ-ቤታ ፍቕሪ፡ ሓልዮትን ምትብባዕን ነብሳ ክኢላ ንኽትከይድ ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ዝገለጸት ጽገረዳ ኩሉ ንጥፈታታ ብኣእጋራ ከምእተዓዮ ኣረዲኣ።ዝሕግዛ ወይ ዕድል ዝኸፍተላ እንተረኺባ፡ ናይ ስእሊ ትምህርታ ናይ ምምዕባልን ንጸገማ ተቃልል ተሽከርካሪት ናይ ምዝዋር ሕልምን ድሌትን ከምዘለዋ ተዛሪባ’ላ።
Your browser doesn’t support HTML5