ዲሞክራሲ ኣብ ዘንቆልቆለሉ ሕጂ እዋን ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና ምጉዳሉ ሓደ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ሓቢሩ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ዙርያ ዓለም ብሰንኪ ዝርኣይ ዘሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ድኽመት ደሞክራስን፡ ኣንጻር ብልሽውና ዝግበር ቃልሲ ክስጉም ከምዘይከኣለ ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ማለት ዓለማዊ ግሉጽነት ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ትንተና ገሊጹ።

ኣህጉራዊ ግሉጽነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2021፡ ን180 ሃገራት ዘጽንዐ ክኸውን ከሎ፡ 86% ካብአን ኣብ ዝሓለፈ 10ዓመታት ኣብ ምቅላስ ብልሽውና ዝኾነ ምምሕያሽ ከምዘይኣርኣያ ይጠቅስ። ካብ ምሉእ ዓለም 25 ሃገራት ጥራሕ ኣብ ምውጋእ ብልሽውና ምምሕያሽ ከምዘርኣያ እቲ ትካል ሓቢርሉ`ሎ። ካብ መንጎ`ቶም ኣጽናዕቲ ሓደ ዝኾነ ሮበርቶ ኩቱሺካ፡ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝተራእየ ምምሕያሽ እንተዘይሃለወ`ኳ፡ ኣመሪካን ካናዳን ኣውትራልያን ዝርከብአን ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት`ውን እንተኾነ ኣብ ምቅላስ ብልሽውና ቁልቁል ከምዝወረዳ ይገልጽ።

“እዚ ነተን ኣብ ላዕላዋይ ደርጃ ዝርከባ ሃገራት ናይ መበራበሪ ደወል`ዩ። ዝነበረካ ምስ ከሰርካዮ ንክትመልሶ ቀሊል ኣይኮነን።ካልእ ድማ ናይ ሓሶት ዜናታት ምዝርጋሕን ሓበረታ ምድንጋርን ተራእዩ`ዩ። ኣብ ሚድያን ፕረስን ከምኡ ዓይነት ናይ ሓሶት ዜና ምዝርጋሕ ኣብቲ ጸረ-ብልሽውና ዝግበር ቃልሲ ሓጋዚ ኣይኮነን። ስለዚ ፍሉይ ጠመተ ክወሃቦ ዝግባእ`ዩ” ይብል።

ኣብ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ`ውን ኣብ ናጽነት ፕረስ ኣብ ኣካዳሚያዊ ናጽነትን ዝኣመሰለን መጽቀጥቲ ከምዝተራእየ ዝገልጽ ሮበርት ኩቱሽካ፡ ኣብ ግጭት ዘለዋ ሶማል: ሶርያን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዝተሓተ ዝርዝር ጸረ-ብልሽውና ከምዘለዋ ይጠቅስ።

ኣብ ማሊ ብዝርኣይ ተደጋጋሚ ዕልዋታት መንግስቲ፡ ብልሽውና ከምዝውስኽ ክግመት ከሎ፡ ብፕረዚደንት ረድሪጎ ዱተርተ ትምራሕ ፊሊፕንስ፡ ብዘለዋ መጽቀጥቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ብልሽውና`ውን ወሰኽ ከምዘርኣየት ይግለጽ።

ይኹን`ምበር ምምሕያሽ ዝተራእየለን ሃገራት`ውን ከምዘለዋ፡ ካብ መንጎአን ድማ ኢስቶንያ ፡ላቲቫ ፡ኣርመንያ፡ ተጠቀስቲ ምዃነን ኣህጉራዊ ግሉጽነት ሓቢሩ`ሎ።

ኣተሓሒዙ፡ "ሓደ ንጹር ግን ኣሎ፡ ንሱ ድማ መሰላትን ደሞክራስን ክጉሕጉሑ ኸለዉ፡ ምልኪ ቦታ ይሕዝ፡ ንሱ ድማ ንምውሳኽ ብልሽውና ኣበርኽቶ ይገብር" ይብል።