ዋሽንግተን —
ምጥቃም ውፅኢታት ፕላስቲክ ንምጉዳል ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ፃዕሪታት ይካየዱ እንተሃለው'ኳ ኣብ ከም ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ አፍሪቃ ግን ኣብ 2060 ብሽድሽተ ዕፅፊ ክውስኽ ምዃኑ ትካል ልምዓትን ምትሕብባራት ቁጠባን ይትንቢ።
ኣብ ደቡብ አፍሪቃ ሓደ ሰብ ነዚ ክልውጥ ኣገልግሎቶም ዝወድኡ ውፅኢታት ፕላስቲክ ተጠቂሙ ናብ ዝተፈላለዩ ናውቲን ንመፃወቲ ዘገልግሉ ኣቁ፟ሑ ብምቅ፟ያር ስራሕ ፈጢሩ ይርከብ።