ዩክሬን መራኽባ ካብ ጸሊም ባሕሪ እኽሊ ጽዒነን ክሓልፋ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንውሑ ተፈሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ዩክሬን መራኽባ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ካብ ዝርከቡ ወደባታ እኽሊ ጽዒነን ክሓልፋ ዝተገብረ ስምምዕ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝተናውሐ ሰበ-ስልጣን ዩክሬንን ቱርክን ይገልጹ`ለዉ።

እተን መራኽብ ኣብ ቱርኪ እናተፈተሻ ክሓልፋ ኣብ መንጎ ሩስያን ሕቡራት ሃገራትን ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ`ዛ ቀዳም`ዚኣ ክብቅዕ ኔርዎ። ሕጂ ግን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ምንዋሕ ስምምዕ ታሕጓሱ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ቀረባት መስመር ብዘይዕንቅፋት ምቕጻሉ ኣገዳሲ`ዩ ኢሉ`ሎ።

ሩስያ እትልእኮ መግብን ዘመናዊ ድኹዕን`ውን ብዘይ ዕንቅፋት ክሓልፍ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሓሉ ምዃኑ ጉተረዝ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ እኽሊ ጸሊም ቀላይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተበግሶ፡ ካብ ዩክሬን 11 ሚልየን ሜትሪክ ቶን እኽሊ መብዛሕቲኡ ናብ ዘይማዕበላ ሃገራት ዝኸይድ`ዩ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂፕ ጠይፕ ኦርዶዋን`ውን እቲ ስምምዕ ምንውሑ ድሕሪ ምፍላጡ፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ዘልንስኪ፡ ምስጋንኡ ኣሕሊፉ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ግን ሓዲሽ መጥቃዕትታት ሚሳይል ሩስያ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ዩክሬን ይሃርም ከምዘሎን፡ ንትካላት ጋዝ ከይተረፈ ዕላማ ይገብር ከምዘሎን ሰበ-ስልጣን ዩክሬን ይሕብሩ`ለዉ።